2023-03-19 11:36:10
ገበነኛ ኵናት ኣንዳርጋቸው ፅጌ ወዚዑዎ ዘሎ ፅሑፍ፤ ወድዓዊ መርኣያ ኣካይዳ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ፤ ብፍላይ ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣንብቡዎ!
ፋሽስት ኢሳያስ ብትግርኛ ናይ ዝሃቦ ቃለምሕተት ቅዳሕ ኣምሓርኛ እዩ ዝመስል! ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ሕኹትኩት ተመግዲሮም እንትናቖሩ፤ ፀላእቲ ንቐፃልነት ፅንተትን ብርሰትን ህዝቢ ትግራይ ነዊሕ ኣሚቶም ይነጥፉ ከምዘለዉ ዘመላኽት እዩ::
እዙ ኣንፃር ትግራይ ዘቕንዐ ነዊሕ ፅሑፍ፤ ሃጠውቀጠው ሕሶት ፀለመን ሸርሕን ዝመልኦ እኳ እንተኾነ፤ ጥምር ኣቢልካ ብሓፂሩ እንትርአ፤ መእሰሪ ሽኻሉ ምቕፃል ፅንተትን ብርሰትን ትግራይ ገይሩ፤ ንኣፈፃፅምኡ ድማ መሰረታዊ ኣንፈታት ዘቐመጠ እዩ::
እዙ ብገበን ኵናት ዝተመራስሐ ዕሉል ገበነኛ ሓሽከር ኢሳያስ፤ ከም መርኣያ ትምክሕቲ ኣምሓራን መገልገሊ ፋሽስት ኢሳያስን፤ ኣብ'ዙ ፅሑፉ ትግራይ ከይትትስእ መሊኣ ክትበርስን ንኽትንብርከኽን ኩሉ ዓይነት ሸርሕታት ፍሒሱ ንኣፈፃፅምኡ የመላኽት::
ንመተግበሪ ቀፃሊ ፅንተትን ብርሰትን ትግራይ ከም ቀንዲ ፍኖተካርታ ዘቐምጦ፤
* ኣብ ሞንጎ ተጋሩ ፖለቲከኛታት ዝርአ ዘሎ ዘይምቅድዳውን ምክፍፋልን ከመይ ንመተግበሪ ሸርሕታት ፅንተትን ብርሰትን ትግራይ ከም ዘውዕሉዎ፤
* ንሉዓላዊ መሬት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኢሉ እውን ኤርትራ ይግብአኒ እዩ እትብሎ ኩሉ ግድን ካብ ትግራይ ክቑርመም፤
.......
1.1K views08:36