2023-02-27 01:22:15
"ኩነታት ኣምሓራን ብልፅግና ኣምሓራን"
መንግስቲ ኣምሓራ ካብ መፈለምትኡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብቕንዕና ኣይተቐበሎን፡፡ ብቐጥታ እንተዘይተቓወሞ ብተግባር ወራሪ ሓይሉ ካብ ትግራይ ብዘይምውፃእን፤ ህወሓት ከይጠፍአ ንምንታይ መንግስቲ ኣብይ ኣህመድ ይፍርም ብዝብል፤ ብብዙሕ መንገድታት ንቱ ስምምዕ እናነፅጎ ፀኒሑ እዩ፡፡
«ህወሓትን ኣብይን ብሓባር ኮይኖም ኣንፃረይ ሸርሒ ይፍሕሱ ኣለው» ብምባል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግምባር ፈጢሮም ስልጠናታትን ካልኦት ምድግጋፋትን ቀፂሎምሉ እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ ድማ ናይ ፈራሕ ዝመስል መግለፅታት በፓርትን ብመንግስቶምን ኣሽሙራት ዝበዝሖ፤ ካብ ብልፅግና ክንወፅእ ኣለና ዝመስልን፤ ኣይጥርዓን ኣይውሳነ ብልሓቱ ዝጠፍኦ መግለፅታት የጋውሑ ኣለዉ፡፡ ኣብ ጎንደር ድማ «ኵናት ክንቕፅል ኢና ክንማወት ኢና» ኢሎም ወሲኖም ይበሃል ኣሎ፡፡
ንምንታይ እዩ ዕግርግር መንግስቲ ኣምሓራን ብልፅግና ኣምሓራን ሐዚ ተጋዲዱ?
∗ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣይተቐበልዎን
∗ መንግስቲ ኣብይ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኩሎም ክልላት ናብ ማእኸል ክጥርንፍ ምሕሳቡ፤ ካብ ትግራይን ኦሮሞን ዝመፀና ስግኣት ከመይ ክንምክት ንኽእል ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ
∗ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ንምኽፍፋል ብመንግስቲ ኣብይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንኣምሓራ ምድኻም ኮነ ኢሉ ዝተገበረ ስጉምቲ እዩ ብምባል ኣብ ስግኣት ወዲቖም ይርከቡ
∗ ኣብ ፌደራል ኣምሓራይ ሓደ ብሓደ ካብ ቁልፊ ስልጣን ይግለል ኣሎ ዝብል ቅሬታ ኣለዎም፡፡ ኦሮማራ ፈሪሱ ብተጋሩ ንትካእ ኣለና፣ ኦሮሞ ኪሒዶምና ብዝብል ኣብ ኦሮሞ ፅልኣት ኣለዎም
∗ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣምሓራ እውን መሳርሒ ማእኸላይ መንግስቲ ኮይንና ፀኒሕና እቱ ህዝቢ ኣይቅበለናን፤ ከም ከደምቲ ኢና ንረአ ዝብል ስግኣት ኣለዎም፡፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ፋኖ ኣሲርና ብማእኸላይ መንግስቲ ግና ተጠሊምና ዝብል ቅሬታን ተቀባልነት ስኢና ዝብል፤ ምስኣን ዓርሰ እምነትን እውን ስለዘለዎም እዩ፡፡
መወዳእትኡ ናበይ የምርሕ? ንዝብል ሕቶ ገና ግዘ ሂብካ ክረአ ዝግብኦ እንተኾነ እኳ፤ ካብ ፈኸራ ዝሓልፍ ኣይመስልን፡፡ እንተገደደ ኣብ መንጎኦም ኸፋፊሉ ክቆፃፀሮ ዝኽእል ይመስል፡፡
1.4K views22:22