2023-04-18 18:07:04
ንሎሚ ናይ ቅዱስ ቁርዓን ፅብቕቲ ቃል ከካፍለኩም። ከምዚ ይብል:
ናይ ሰብ ሞራል ካብ ዝፈርስ መስጊድ ይፍረስ፤ ምኽንያቱ ናይ ሰብ ሞራል እንተፈሪሱ ድጋሚ ሃኒፅካ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣይኽእልን። መስጊድ እንተፈረሱ ግን ኣብሊፅካ ብወርቂ ይህነፅ እዩ። (ቃል ብቃል ኣይኮነን)።
ኣብ ሚድያ ወፂኹም ፀገም ንክትዛረቡ ዘይተፈቐደልኩም ብምዝራብኩም ተናሲሕኹም ዶ? ኢሉ ብሽም ተወካሊ ኮሚኒቲታት ዲያስፖራ ከሸቑርር ዝፍትን፣
ንሱ ደመወዝ በብሰሙን እናተቐበለ ንሶም ግን ናይ ክልተ ወርሒ ዘይተውሃቦም ግን ሽም ትካሎም ከይበላሾ ስቕ ኢሎም፣ ድሓር ግን ድሕሪ ሐዚ ብነፃ ኢኹም ክተገልግሉ ኢሉ ደብዳቤ ዝፀሓፈ፣
ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገንዝብ ኦዲት ይገበር ማለት ከም ገበነኛ እናተቖረ ዝፀንሐ ስታፍ፣
ንባዕሉ ተጎሳቒሉ፣ ንህዝቢ ብኸኣሎ ዓቕሙ ድምፂ ዝኾነ ጋዜጠኛን ስታፍን ድምፁ ዓፂኻ ካብ ፌስቡክን ሳተላይትን ኣውሪድካ፣
ብግዕዝይና ዝጠልቀየ ውልቀ ሰባትን ጉጅለን ክትከላኸል ግን ሓደ እግሮም ናብ ጉድጓድ ዝሰደዱ ሸቀጥቲ ዘይተረፈ ኣዋፊርካ ዝሽፈን ሓቂ የለን።
ሕማቕ ምሕደራን ግዕዝይናን ክተፃሪ ትጎዪ እምበር ብምርኩዝ ተደጊፍካ ዶ ንግዕዝይና ክትሕለቕ ትጓየ ኢኻ?
እዞም ስታፍ እዚኦም ቅርብ ኢልኩም እንተትፈልጡዎም ብስብእኖኦም ትቐንኡ። እቶም ልሙሳት፣ፍንፉናትን ከዳዓት ጋዜጠኛታት ግን ተመልከቲ ባዕሎም ስለዝተገንዘቡዎ ርእይቶ ምሃብ ኣየድልን።
ሞራሎም ሰይርካ ከም ሮቦት ኣብ ስቲድዮ ክተዛርቦም ኣይትኽእልን።
2.7K views15:07