Get Mystery Box with random crypto!

CHANNEL 29

የቴሌግራም ቻናል አርማ channel29news — CHANNEL 29 C
የቴሌግራም ቻናል አርማ channel29news — CHANNEL 29
የሰርጥ አድራሻ: @channel29news
ምድቦች: ፖለቲካ
ቋንቋ: አማርኛ
ተመዝጋቢዎች: 24.94K
የሰርጥ መግለጫ

For any Information related Things @Ch29Bot

Ratings & Reviews

3.00

3 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

0

4 stars

1

3 stars

1

2 stars

1

1 stars

0


የቅርብ ጊዜ መልዕክቶች 9

2023-04-16 17:50:25 ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ(ሆቴል ኖርዘርን ስታር) በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢታት ንዝርከቡ ንልዕሊ 17,500 ተመዛበልቲ ወገናት እንግዶት ምሳሕ ከምዝገበረን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት ንዘለው ወገናት ናብ መረበቶም ምስ ተመለሱ ንዳግመ መጣየሺ ዝውዕል 15 ሚልዮን ብር ከም ዝሕግዙ ቃል ከምዝኣተወን ሰሚዐ፣ ተሓቢነሉ ድማ።
ልዑል ክብሪ ይግበኦ።

ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዳርጋ ብተኣምር እዩ ካብ ሞት ተሪፉ ምባል ይከኣል። ኩሉ ዝርዝር ሓደ መዓልቲ ባዕሉ ክዛረቦ ይኸውን እዩ። ኣነ ግን ምስ ናተይ ኩነታት ኣተሓሒዘ ክፅሕፎ።

ድሕሪ ታሕሳስ 15፣ 2013 ዓ.ም ብሚሊተሪ ኢንተሊጄንስ ኢትዮጵያ ንመርሸንቲ ብዝመስል ኩነታት ምእሳረይን ብፅዕንቶ ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ እኒ ዶ/ር ኣብርሃም፣ ኣታኽልቲ፣ ኣብርሃ ደስታን ካልኦት ኣመራርሓን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈታሕኹ ካብ መቐለ ንምውፃእ እናሓሰብኩ፣ ገለ ምድላው እናገበርኩ እየ ነይረ።
ድሕሪ ምፍተሐይ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰሙናት ካብ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ብዶ/ር ሙሉ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር (ካብ ገብረመስቀል ካሳ) ሚሊተሪ ኢንተሊጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ክልተ ሰባትን ስጉምቲ ንኽወስድ ይእልሸኩም ኣሎ፤ ስቕ ኢልካ ድምፅኻ ኣጥፊእኻ ካብዚ ከባቢ ጥፋእ" ዝብል መልእኽቲ በፂሑኒ። ናይቶም ክልተ ሰባት መንነት ደሓር እኒ ገብረመስቀል ናብ ስደት ምስወፁ እየ ፈሊጠ።
ብወገነይ ብዙሕ ከይፀናሕኹ ድማ ናይ ሕሶት መለለዪ መንነት ካርድታት ኣውፂአ፤ ሓደ ሓላፊ መንገዲን ትራንስፖርትን መቐለ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ክፅሕፈለይ ገይረ መቐለ ገዲፈ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ፤ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዲላን ተሓቢአ ድሕሪ ምፅናሕ ደገ ወፂአ ማለት እዩ።
ደሓር ከምዝተረዳእኹዎ ነቲ ናተይ መቕተልቲ ዘዋድድ ዝነበረ ብቐንዱ በቲ እዋን ሓላፊ ፀጥታ ኾይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ሊላይ ሃይለማርያም ኮይኑ ብድሕሪቱ እኒ ናትናኤል ኣስመላሽን ልሂቃን ኣምሓራን ነይሮም። ኣብ ናይ ዘርኡ ግን ካልኦት ናይ ውሽጢ ሰባት፣ ሓደ ናይ ፀጥታ ሓላፊን ሓደ ኣምሓራይ ጀነራልን እውን ነይሮም (ዝርዝሩ ሓደ መዓልቲ ባዕሉ ክገልፆ ይኸውን እዩ)።

እቲ ሓበሬታ ምስመፀ እኒ ኣብርሃም ኣብ ልዕሊ ዘርኡ ተሓሲቡ ዝነበረ መቕተልቲ ከይፍፀም ዝተኸላኸሉሉ ይመስለኒ። ብዓብዪ ግን ሊላይ ኣብ ኵሓ ዝነበረ ናይ USAID ናይ እኽሊ መኻዚኖ ምስባር ሓዊሱ ብዙሓት ገበናት ስለዝፈፀመ፤ ካልእ ተሪፉስ መከላኸሊ ሰራዊት ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩዎ ዝነበረ ብነፃ ብኣንቶኖቭ ሰባት ናይ ምጉዕዓዝ ከይዲ እኒ ሊላይ ብሰብ 5,000-10,000 ክፍሊት ከምዝጀመሩሉ ስለዝተፈለጠ ሊላይ ተሰጕጉ። ጀነራል ዮሃንስ ናይ ፀጥታዊ ጉዳያት ሓላፊ ምስኮነ ኣብ ሓደጋ ዝነበረ ሂወት ዘርኡ እውን ዝተወሰነ ትንፋስ ዝረኸበ ይመስለኒ። እዚ ኩሉ ግን ምስወፃእኹ ፀኒሑ ዝተፈፀመ ስለዝነበረን በቲ እዋን ብዛዕባ እቲ ኹነታት ንፁር ምስሊ ስለዘይነበረኒን ደሓር ፀኒሐ ዝተረደአኒ እዩ።
ብሓፈሻ ግን እቲ ኩነታት ዘርኡ ንሂወቱ ዘተኣማምን ስለዘይነበረ እንተዘይተጋግየ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ወይ መጀመርያ ግንቦት ንመቐለ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ንሓደ መዓልቲ ተኣሲሩ ብፃዕሪ እኒ ኣብርሃም ከምዝተፈትሐ ሰሚዐ። ስዒቡ እውን ናብ ደገ ወፂኡ።

እዚ ኩሉ ሓሊፉ ዘርኡ እውን ካብ ዝነበሮ ስደት ተመሊሱ ከም ልማዱ ንወገኑ ኢዱ ክዝርግሕ ሪአ ተሓጕሰ። ከም ዘርኡ ዝበሉ ሰባት ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎም ዘለና ጀጋኑና እዮም።

"ብሰራዊት ኢትዮጵያ ፍሉይ ትኹረት ተገይሩሎም ኣብ ፍሉይ መዝገቡ ኣእትዩዎም ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ዶ/ር ጎይቶኦም(ዘፅኣት) ፣ ዶ/ር ሪአ ኢሳያስ፣ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ እዮም ነይሮም ፤ ክቐትሉዎም ይደልዩ ስለዝነበሩ በቲ እዋን ናብ በረኻ ምኻድ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ስለዘይነበረ ኣነ እውን ግልስ ክብሉ ይደሊ ነይረ፤ ንዘፅኣት 'በይዛ እንዶ ከይቐትሉኻ ግልስ በል" ኢለ ነጊረዮ እውን እየ።" (Rephrased)

ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ- ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት "ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ" ኣብ ያበለ ሚድያ (ካብ 27 -30 ደቒቕ)






Via zetseat save adna
6.1K views TIGRAY , 14:50
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 17:50:06
በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ካብ ምዕራብ ንዝተፈናቐሉ ወገናት 15 ሚልዮን ከወፊ ቃል ኣትዩ! እዚ ዝበለ ሎሚ ዕለት ኣብ መቐለን ዓዲ ግራትን ንልዕሊ 17 ሽሕ ወገናት እንግዶት ምሳሕ ኣብ ዘስናደአሉ መድረኽ እዩ። [ ራራ ሚድያ ]
5.5K views TIGRAY , 14:50
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 17:49:20 ህድማ ሓምዲቲ

መራሒ RSF ሱዳን ሕመቲ/ሐምዲቲ/ሓሚቲ ወይ ብትኽክለኛ ስሙ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ተሓቢእሉ ካብ ዝነበረ ቦታ ኣሕሊጡ ምህዳሙ አልጀዚራ ዓረብኛ ኣብ ትዊተር ሒሳቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ባይዘወይ ሕመቲ ንዞባና ኣዝዩ ሓደጋ እዩ።ክምስርቶ ዝሓሰበ power Axis እውን ብግልፂ ዝተዓዘብናዮ እዩ ዝመስል።ምስ ምስሪ ዝህልዎ ፖለቲካዊ ኾነ ፀጥታዊ ዝምድና እውን ብግልፂ ካብቲ እቶም ሓይልታቱ ኣብ ከባቢ ሜሮዌ ዝፈፀምዎ ተግባር ምርዳእ ይከኣል።

RSF is ካብቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንጄኖሳይድ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ዓለም ለኸ ወንጀላት ከም ዝፈፀመ ዝኽሰስ ጃንጃዊድ ዝበሃል ዕጡቕ ሚልሻ evolve ዝገበረ ዕጡቕ ሓይሊ ምዃኑ ዝፍልጥ እዩ።ምናልባት ምስ እዛ በካዕ ኢምፓየር ኮነ ምስ እቲ ጨካን ኣራዊት ኣረጊት ዝፈጥሮ ዝምድና እውን ኣብ ልዕሌና ዝህልዎ ፅልዋ ብቐሊሉ ዝግመት እዩ ዝኸውን።

Kaza mekazo
5.6K views TIGRAY , 14:49
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 17:07:53
Anyhu.የሱዳን.. ልዩ ሀይል መሪ ሒሚቲ ከተደበቀበት አመለጠ እየተባለ ነው።
5.6K views TIGRAY , 14:07
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 17:05:42
Oops... እና ዶጋሎ ልብሱን ትቶ ጠፋ!?
5.7K views TIGRAY , 14:05
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 15:30:04 በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ካብ ምዕራብ ንዝተፈናቐሉ ወገናት 15 ሚልዮን ከወፊ ቃል ኣትዩ!

እዚ ዝበለ ሎሚ ዕለት ኣብ መቐለን ዓዲ ግራትን ንልዕሊ 17 ሽሕ ወገናት እንግዶት ምሳሕ ኣብ ዘስናደአሉ መድረኽ እዩ።

[ ራራ ሚድያ ]
6.0K views TIGRAY , edited  12:30
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 13:20:18
መሪስ ነበር ህዝብ ታጣ እንጂ
6.4K views TIGRAY , 10:20
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 12:35:08
ብዛዕባ ሱዳን ግልፂ ቅዋም ኣንፃር ሓደ ቡድን ኣይንሓዝ ንጊዚኡ። ማእኸል ኾይንና ሰላምን ምርግጋዕን ጥራሕ ንመነይ። ንፅባሕ ንሕሰብ።

ተራ ግለሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ለለና እውን ግልፂ ቅዋም ኣንፃር ሓደ group ኣይነንፀባርቕ። ንትዓገስ! ሰላምን ምርግጋዕን ጥራሕ ነመነየሎም!

ዓረብኛ እትኽእሉ ድማ ማእኸል ቅዋም ሕዝኹም ሰላም ጥራሕ ልገልፁ ሰናይ ትምንታትኹም ፀሓፉ፤ ንጥቀመሎም ቃላት ንጠንነቀቕ።

ኹልና ዲፕሎማት ኢና! ኹላትና ኣምባሳደራት ምዃና ንፍለጥ!

ሰላም ንህዝቢ ሱዳን
#Peace for Sudan!

Noah Berhe
6.4K views TIGRAY , 09:35
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 12:31:38 በሱዳን ግጭት መከሰቱን ተከትሎ ጡረታ ወጥተው የነበሩ የቀድሞ የሀገሪቱ ብሔራዊ ጦር አባላት ወደ ስራ መመለሳቸው ተገልጿል።

የሱዳን ፈጥኖ ደራሽ ሀይል ወይም አርሴኤፍ በጀነራል መሀመድ ሀምዳን ዳጋሎ ወይም ሄመቲ ይመራል።ይህ ሀይል በዳርፉር በፈረንጆቹ 2013 የተከሰተውን የጎሳ ግጭት ለማስቆም በሚል ነበር የተቋቋመው።

የዳርፉር ጎሳ ግጭት ቀስ በቀስ ቢቆምም ከዚያ በኋላ በሱዳን እና ከሱዳን ውጪ ባሉ ጦርነቶች ተሳትፏል።ለአብነትም የዚህ ሀይል አባል የሆኑ 40 ሺህ ወታደሮች በ2015 ሳውዲ አረቢያ በሚመራው የየመን ጦርነት ተሳትፏል።

እንዲሁም በሊቢያ ጦርነት ውስጥ የተሳተፉ ሲሆን በወጣቶች የተገነባ መሆኑ አስፈሪ እንዲሆን አድርጎታል ተብሏል። የቀድሞው የሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ሀሰን አልበሽር በ2019 ከስልጣን ከተነሱበት ጊዜ ጀምሮ ከዳርፉር ውጪ ባሉ የሀገሪቱ ስፍራዎች በጸጥታ ማስከበር ስራ ላይ ሲሰማራ ቆይቷል።

ተጽዕኖውን ተከትሎም በስልጣን ላይ ባለው የሱዳን ወታደራዊ መንግሥት ላይ የምክትልነት ሀላፊነትን አግኝቷል። ይሁንና ሱዳን ወደ ሲቪል አስተዳድር እንድትመለስ ውይይት መጀመሩን ተከትሎ ወታደራዊ መንግሥቱ ስልጣኑን እንዲያስረክብ ስምምነት ላይ ይደረሳል።

ይሁንና ይህ ሀይል ወደ ሀገሪቱ ብሔራዊ ጦር እንዲካተት ውሳኔ ላይ ቢደረስም መቼ ይዋሀድ እሚለው ጉዳይ ለግጭት መዳረጉ ተገልጿል።
ይህን ተከትሎም አሁን በይፋ ከብሔራዊ ጦሩ ጋር ወደ ጦርነት ያመራ ሲሆን የጦር ካምፖችን፣ ኤርፖርት እና ሌሎች መሰረተ ልማቶችን በመቆጣጠር ላይ ነው ተብሏል።
6.1K views TIGRAY , edited  09:31
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-04-16 12:29:51 ኤርትራና ሩስያ ለዳጋሎ ቡድን ድጋፍ እየሰጡ ነው!
5.8K views TIGRAY , 09:29
ክፈት / አስተያየት ይስጡ