2023-04-16 17:50:25
ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ(ሆቴል ኖርዘርን ስታር) በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢታት ንዝርከቡ ንልዕሊ 17,500 ተመዛበልቲ ወገናት እንግዶት ምሳሕ ከምዝገበረን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት ንዘለው ወገናት ናብ መረበቶም ምስ ተመለሱ ንዳግመ መጣየሺ ዝውዕል 15 ሚልዮን ብር ከም ዝሕግዙ ቃል ከምዝኣተወን ሰሚዐ፣ ተሓቢነሉ ድማ።
ልዑል ክብሪ ይግበኦ።
ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ዳርጋ ብተኣምር እዩ ካብ ሞት ተሪፉ ምባል ይከኣል። ኩሉ ዝርዝር ሓደ መዓልቲ ባዕሉ ክዛረቦ ይኸውን እዩ። ኣነ ግን ምስ ናተይ ኩነታት ኣተሓሒዘ ክፅሕፎ።
ድሕሪ ታሕሳስ 15፣ 2013 ዓ.ም ብሚሊተሪ ኢንተሊጄንስ ኢትዮጵያ ንመርሸንቲ ብዝመስል ኩነታት ምእሳረይን ብፅዕንቶ ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ እኒ ዶ/ር ኣብርሃም፣ ኣታኽልቲ፣ ኣብርሃ ደስታን ካልኦት ኣመራርሓን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈታሕኹ ካብ መቐለ ንምውፃእ እናሓሰብኩ፣ ገለ ምድላው እናገበርኩ እየ ነይረ።
ድሕሪ ምፍተሐይ ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰሙናት ካብ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ብዶ/ር ሙሉ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር (ካብ ገብረመስቀል ካሳ) ሚሊተሪ ኢንተሊጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ክልተ ሰባትን ስጉምቲ ንኽወስድ ይእልሸኩም ኣሎ፤ ስቕ ኢልካ ድምፅኻ ኣጥፊእኻ ካብዚ ከባቢ ጥፋእ" ዝብል መልእኽቲ በፂሑኒ። ናይቶም ክልተ ሰባት መንነት ደሓር እኒ ገብረመስቀል ናብ ስደት ምስወፁ እየ ፈሊጠ።
ብወገነይ ብዙሕ ከይፀናሕኹ ድማ ናይ ሕሶት መለለዪ መንነት ካርድታት ኣውፂአ፤ ሓደ ሓላፊ መንገዲን ትራንስፖርትን መቐለ ናይ ይሕለፍ ወረቐት ክፅሕፈለይ ገይረ መቐለ ገዲፈ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ፤ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዲላን ተሓቢአ ድሕሪ ምፅናሕ ደገ ወፂአ ማለት እዩ።
ደሓር ከምዝተረዳእኹዎ ነቲ ናተይ መቕተልቲ ዘዋድድ ዝነበረ ብቐንዱ በቲ እዋን ሓላፊ ፀጥታ ኾይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ሊላይ ሃይለማርያም ኮይኑ ብድሕሪቱ እኒ ናትናኤል ኣስመላሽን ልሂቃን ኣምሓራን ነይሮም። ኣብ ናይ ዘርኡ ግን ካልኦት ናይ ውሽጢ ሰባት፣ ሓደ ናይ ፀጥታ ሓላፊን ሓደ ኣምሓራይ ጀነራልን እውን ነይሮም (ዝርዝሩ ሓደ መዓልቲ ባዕሉ ክገልፆ ይኸውን እዩ)።
እቲ ሓበሬታ ምስመፀ እኒ ኣብርሃም ኣብ ልዕሊ ዘርኡ ተሓሲቡ ዝነበረ መቕተልቲ ከይፍፀም ዝተኸላኸሉሉ ይመስለኒ። ብዓብዪ ግን ሊላይ ኣብ ኵሓ ዝነበረ ናይ USAID ናይ እኽሊ መኻዚኖ ምስባር ሓዊሱ ብዙሓት ገበናት ስለዝፈፀመ፤ ካልእ ተሪፉስ መከላኸሊ ሰራዊት ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩዎ ዝነበረ ብነፃ ብኣንቶኖቭ ሰባት ናይ ምጉዕዓዝ ከይዲ እኒ ሊላይ ብሰብ 5,000-10,000 ክፍሊት ከምዝጀመሩሉ ስለዝተፈለጠ ሊላይ ተሰጕጉ። ጀነራል ዮሃንስ ናይ ፀጥታዊ ጉዳያት ሓላፊ ምስኮነ ኣብ ሓደጋ ዝነበረ ሂወት ዘርኡ እውን ዝተወሰነ ትንፋስ ዝረኸበ ይመስለኒ። እዚ ኩሉ ግን ምስወፃእኹ ፀኒሑ ዝተፈፀመ ስለዝነበረን በቲ እዋን ብዛዕባ እቲ ኹነታት ንፁር ምስሊ ስለዘይነበረኒን ደሓር ፀኒሐ ዝተረደአኒ እዩ።
ብሓፈሻ ግን እቲ ኩነታት ዘርኡ ንሂወቱ ዘተኣማምን ስለዘይነበረ እንተዘይተጋግየ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ወይ መጀመርያ ግንቦት ንመቐለ ገዲፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ንሓደ መዓልቲ ተኣሲሩ ብፃዕሪ እኒ ኣብርሃም ከምዝተፈትሐ ሰሚዐ። ስዒቡ እውን ናብ ደገ ወፂኡ።
እዚ ኩሉ ሓሊፉ ዘርኡ እውን ካብ ዝነበሮ ስደት ተመሊሱ ከም ልማዱ ንወገኑ ኢዱ ክዝርግሕ ሪአ ተሓጕሰ። ከም ዘርኡ ዝበሉ ሰባት ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎም ዘለና ጀጋኑና እዮም።
"ብሰራዊት ኢትዮጵያ ፍሉይ ትኹረት ተገይሩሎም ኣብ ፍሉይ መዝገቡ ኣእትዩዎም ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ዶ/ር ጎይቶኦም(ዘፅኣት) ፣ ዶ/ር ሪአ ኢሳያስ፣ ብዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ እዮም ነይሮም ፤ ክቐትሉዎም ይደልዩ ስለዝነበሩ በቲ እዋን ናብ በረኻ ምኻድ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ስለዘይነበረ ኣነ እውን ግልስ ክብሉ ይደሊ ነይረ፤ ንዘፅኣት 'በይዛ እንዶ ከይቐትሉኻ ግልስ በል" ኢለ ነጊረዮ እውን እየ።" (Rephrased)
ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ- ነበር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት "ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ" ኣብ ያበለ ሚድያ (ካብ 27 -30 ደቒቕ)
Via zetseat save adna
6.1K views TIGRAY , 14:50