2022-07-16 18:44:57
ሓበሬታ ብዛዕባ ግልጋሎት #ቴሌኮም ኣብ ትግራይ፦
ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ቴሌኮም መሰረተልምዓት ተሰሪሑ (ዝፅገን ተጸጊኑ) ብክልተ መማረጺታት ግልጋሎት ንምሃብ ቅሩብ ካብ ዝኸውን ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ እዩ።
(ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ናይ ቐረባ ሰብሙያ ምሕታት ይከኣል እዩ)
ቀዳማይን ዝሐሸን መማረፂ መንግስቲ ትግራይ ንተገልገልቲ ሓዱሽ ናይ ትግራይ ሲምካርድ ሸይጡ ግልጋሎት ምጅማር። (ትግራይ ቴሌኮም) ካብ ናይ ኢትዮጵያ ርጠብና ኢልካ ለመና ዝገላግለና መፍትሒ እውን ነይሩ።
ካልኣይ መማረፂ በቲ ዝነበረ ሲም ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ጥራሕ ክፍቲ ገይርካ ግዝያዊ ግልጋሎት ምሃብ ይከኣል እዩ።
ይኹን እምበር ናይ መንግስቲ ትግራይ ፖለቲካዊ ውሳነ ስለዘድልዮ ክሳብ ሎሚ ግልጋሎት ኣይሃበን። መንግስቲ ትግራይ ስለዘይወሰነ። (ክውገኑ ዝግበኦም ዘይወገኖም ናይ ድሕሪ ኲናት ማሕበራዊ ዋኒናት ክሳብ ዝውግን መሲሉና ነይሩ)
ይኹንደኣ'ምበር እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ሲም ካርድ ዓዲግና እንተእቲና ምስ ጦብያ ዝህልወና ርክብ ክብጠስ ስለዝኾነ ክኸውን ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ። ዝተወገነ ኾነ ዝተጀመረ ዋኒን ስለዘየለ።
ከም ጋሪ ናብ ሓደ ኣንፈት ጥራይ ዝርእይ መርሕነትና ናበይ ይመርሐና ኣሎ!? ፈጣሪ ይፈልጥ።
እቲ ሀዚ ዘሎ ኩነታት ዝፈልጡ መራሒት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ክንከፍት ኢና ኢሎም ብምውራይ ዲፕሎማስያዊ ትርፊ ክረኽቡ ይጓየዩ'ለዉ።
መሪሕቲ ጦብያ እንተለቒቖምልና ድማ ኢትዮጵያ እውን ካብ ትግራይ ብ'ትእክቦ ናይ ቴሌኮም እቶት ኣቢላ ዳግም ክትጭፍጭፈና ትኸውን!!
Tsegay Gebremedhin
6.3K views15:44