2023-04-14 17:21:08
ከይዲ ፍርዲ እየሱስ ክርስቶስ ( The trial of jesus Christ)
።።።።
ኣብ መፅሓፍ ኦሪት ንዓለም ዘድሕን ሉኡኽ እግዚኣብሄር ክመፅእ እዩ ዝብል ትምቢት ነበረ። እየሱስ እዚ ይፈልጥ ነይሩ። እየሱስ ሚያዝያ / 33 ዓ/ም ካብ ገሊላ ኣብ ዝባን ኣድጊ ተወጢሑ ናብ እየሩሳሌም ኣተወ። ውሑዳት ግን ብጣዕሚ ውፉያት ሰዓብቲ ኣኸቲሉ ነይሩ።
እየሰሩሳሌም ምስ ኣተወ
" ኣነ ወዲ እግዚኣብሄር እየ፣ ንሓጥያትኩም ይስሪ እየ፣ ንሕሙማት ይፍውስ ፣ ካብ እግዚኣብሄር ዝተለኣኽኩ እየ" እናበለ ምስባኽ ጀመረ።ቀፂሉ እውን በቲ እዋን ክቡር ናብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ቤተመቕደስ ( Temple) ኣይሁድ ኣተወ። ኣብቲ ዙርያ ቤተ መቕደስ ዝተፈላለዩ ቅርስታት፣ ናብ ቤተመቕደስ ንምእታው መንፅሂ ማይ ኣሕፂቦም ገንዘብ ዝቕበሉ ኣቕሽቲ፣ ዕዳጋ ዝገብሩ ነጋዶ ነይሮም። እየሱስ ኣብ ልዕሊ እዚኦም ተቖጠዐ። ነቶም ቅርስታት እናፍረሰ ምድርባይ ጀመረ፣ ነቶም ገንዘብ ዘቀባብሉ ስራሕ ሰይጣን ሰሪሕኹም ብምባል ነቲ ዕዳጋ ኣፈራረሶ።
ብተግባሩ ዝተቖጥዑ ኣቕሽቲ ኣይሁድ ድማ ክእልሽዎ ጀሚሮም።
ለይቲ ሓሙስ ብጥቆማ ሓደ ሰዓቢኡ ተትሓዘ።
ምስ ተትሓዘ ፈለማ ናብ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ንፍርዲ ቀረበ።
ዝቐረብሉ ክሲታት ድማ
1) ቤተ መቕደስ ኣፍሪሱ
2) ካብ ሓጥያት ከም ዘድሕን ፣ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘምፅእ ሰቢኹ ( Crime of blasphimy)
3) ንጉስ እየ ብምባል ናዕቢ ኣለዓዒሉ
ዝብሉ ክሲታት ነበሩ። እዞም ክሲታት ብፍላይ ኣብ ቁፅሪ 2+ ዝተጠቐሰ ክሲ ብሕጊ ኣይሁድ ክሳብ ሞት የቕፅዕ ነይሩ።
በቲ ሽዑ ጊዜ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ናይ ኣይሁድ መራሒ ካያፋስ (Caiaphas) ነቶም ክሲታት ክሰምዕ ጀመረ። እየሱስ ቅዱስ ስፍራ ከም ዘፍረሰ ብምስክር ዘረጋገፀ እንትኸውን፣ "ካብ ሓጥያት ተንፅህ ወዲ እግዚኣብሄር ድኻ?" ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እየሱስ እወ ስለ ዝበለ ነቲ ገበን ከም ምእማን ተቖፀረ። እዚ ተግባር ድማ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሕጎም ሞት የቕፅዕ ስለ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ተሓላለፈ።
ይኹን እምበር ሽዑ ምድረ አይሁድ ብሮማውያን ትግዛእ ስለ ዝነበረት መራሕቲ ኣይሁድ ቅፅዓት ሞት ናይ ምፍፃም ስልጣን ኣይነበሮምን። ስለዚ ጉዳይ እየሱስ ናብ ናይ ሮማ ተወካሊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጲላጦስ ተወሰደ። ጲላጦስ ድማ ጉዳይ እየሱስ ብመንፅር ሕጊ ሮማ ክዳንዮ ጀመረ። ካብተን ዝቐረባሉ ቤተመቕደስ ደፊሩ፣ ካብ ሓጥያት የድሕን እየ ኢሉ ዝብላ ክሲታት ንሕጊ ኣይሁድ እምበር ንሕጊ ሮማ ዝቃረን ኮይኑ ስለዘይረኸቦ ሸለል ኢሉ ሓሊፍዎ። ከሰስቱ እውን እዚ ስለ ዝፈልጡ "ንጉስ እየ ብምባል መንግስቲ ንምፍራስ ናዕቢ ኣለዓዒሉ" ዝብል ክሲ እዮም ኣጉሊሆም ኣቕሪቦምሉ። ጲላጦስ እዚ ክሲ ንመንግስትነት ሮማ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ክሲ ምስማዕ ቀፀለ።
ጲላጦስ ንእየሱስ
"ንጉስ ዲኻ ?" ኢሉ ምስ ሓተቶ እየሱስ ድማ " ሰማያዊ ንጉስ እምበር ምድራዊ ኣይኮንኩን" በለ። ሽዑ ጲላጦስ ዘረባ እየሱስ ንምድራዊ ንግስና ሮማ ከምዘይቃረን ደምደመ።ናዕቢ ዝምልከት እውን እየሱስ ወታደራዊ ወይ ዓማፂ ሓይሊ ከምዘይብሉ ስለ ዘረጋገፀ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰብኣይ "ገበን ኣይረኸብኩሉን" ዝብል ውሳነ ኣሕለፈ።
ይኹን እምበር ብመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ተወዲቦም ዝመፁ ኣብቲ መጋባእያ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ብዕስለ ይሰቐል፣ ይሰቐል እናበሉ ሆ በሉ። ጲላጦስ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፣ ከምኡ እውን ምስ መራሕቲ ኣይሁድ ክጓነፅ ስለዘይደለየ ዝደለኹም ግበርዎ ኢሉ ንእየሱስ ኣረከቦም። ብድሕሪኡ ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሖም ሰቐልዎ።
እየሱስ ክርስቶስ ንዝቐረቡሉ ክሲታት ክከላኸል ብዙሕ ድሌት ኣይነበሮን። ዝህቦም ዝነበሩ መልሲታት እውን ውሑድን ቁጡብን እዩ ነይሩ። ሕጊታት ኣይሁድ ከም ዝጠሓሰ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ፣ ክሃድም ወይ ከምልጥ ግና ድሌት ኣይነበሮን። እየሱስ ካብ ልቡ ወዲ እግዚኣብሄር እየ ኢሉ ይኣምን ስለ ዝነበረ ፍርሒ ኣይነበሮን። ተግባራቱ ሳዕቤኖም ስለ ዝፈልጥ ክቕተል ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ንደቂመዛሙርቱ ነጊርዎም እዩ።
ብዙሓት ፀሓፍቲ ታሪኽ " The only responsible for the death of jesus is him self" ዝብል ሞጎት የቕርቡ እዮም።
ኣይሁዳውያን እየሱስ ክርስቶስ ብምስቃል ተወንጂሎም ክሳብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ስቓይ፣ መቕተልቲ በፂሕዎም እዩ። ይኹን እምበር በቲ ሽዑ ጊዜ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ሮማውያን ስለ ዝነበሩ ሞት ክርስቶስ ጠጠው ከብሉ ይኽእሉ ነይሮም። ተሓተትቲ ሞቱ ሮማውያን እናሃለው ሙሉእ ብሙሉእ ንኣይሁዳውያን ዝተውሃበሉ ምኽንያት ካብ ኣፀሓሕፋ "መፅሓፍ ቅዱስ" ዝብገስ እዩ ዝብሉ ሞጎትቲ ኣለው። መፅሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ 200 ዓመት ዝተፀሓፈ እንትኸውን ፀሓፍቲ ናይቲ መፅሓፍ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሮማውያን ስለ ዝነበሩ ንሮማውያን ደፊሮም ገበኖም ከውፅኡን ሓቂ ክፅሕፉን ድፍረት ኣይነበሮምን ዝብሉ ሞጎትቲ ኣለው።
።።።።።
ብሓፈሻ እየሱስ ሰብ እዩ ነይሩ ( ባዕሉ ዘቕርቦ መንፈሳዊ ምኽንያት ከም ዘሎ ኮይኑ)። ዝቐረብሉ ክሲታት እውን በቲ እዋን ንዝነበረ ሕጊ ኣይሁድ ስለዝጠሓሰ እምበር ዝተፈለየ ኣይነበረን። ንሕጊን ስልጣንን ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ዝነበሩ ገዛእቲ ሓደጋ ስለዝኾነ ተፈሪዱ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ብዙሓት ሰባት ተሰቒሎም እዮም። ናይ እየሱስ ክርስቶስ ፍሉይ ዝገብሮ ንሕጊ ኣይሁድ ( Status qou ) ኣፍሪሱ ንሱ ብዝኣምነሉ ስርዓትን ሕጊን ሱር በቆስ ለውጢ ( revolution) ንምምፃእ ስለ ዝሰበኸ እዩ። ብእዋኑ ሓሳባት ክርስቶስ ብጣዕሚ ሰጎምቲ ( revolutionary) እዮም ነይሮም። ንዓለም እውን ቀይሮም እዮም። ክሳብ ሎሚ ድማ ብፍላይ ኣብ ከም ትግራይ ዝበሉ ዓዲታት ከቢድ ፅልዋ ኣለዎም። ሓሳባት እየሱስን ደሓር ዝመፁ ተወሰኽቲ ፅውፅዋያትን ንህዝቢ ትግራይ ኣደንዚዞም ብዙሕ ውድቀት፣ ድኽነት፣ ድሕረት ኣስዒቦም እዮም። ካብዚ ንላዕሊ ህዝቢ ከደንዝዙ ክንፈቅድ የብልናን።
አብ Fb ዝረኸብክዎ..(ሓደ Tigrayan lawyer ዝፀሓፎ)
6.8K views TIGRAY , edited 14:21