2022-12-02 02:59:27
የለናን ፣ ብውነና የለናን!
================
ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍፀም
* ሰራዊት ኤርትራ ካብ 10 ክሻብ 17 ሕዳር 2015 ዓ/ም
* 111 ሰባት ቀቲሉ
* 103 ኣካል ጉድኣት ገይሩ [ደብዳብን ጨፍጫፍን]
* 241 ገዛውቲ ኣቃፂሉ።
ኣብዚ እቲ ዝበዝሕ ሰብና ዝተቐተለ ኣብ ከባቢ ዓድዋ እዩ።
* ካብ 19 ክሻብ 21 ሕዳር 2015 ዓ/ም ድማ [መቐፀልታ ምዃኑ እዩ]
* ኣብ ማእኸል ኣድያቦ 1300
* ኣብ ኣስገደ ፅምብላ 1000
* ኣብ ማይ ኣባያ 600
* ኣብ ኣክሱም 19 ሰባት ተቐቲሎም።
እዚ ካብቲ ገዛ ንገዛ እናዞርካ ወርቂ ፣ ክባራት ንብረት ፣ ክዳውንቲ ፣ ኣቑሑ ገዛ [ቆርቆሮ ከይተረፈ] ካብ ዝግበር ስርቂ ወፃኢ ፣ ኣብ ንፁሃት ወገናት ዝካየድ ዘሎ ጨፍጫፍ እዩ።
ብድማር ክልተ ቕነ ኣብ ዘይመልአ እዋን 3 ሽሕን 20 ሰብ ተቐቲሉ ኣሎ። [ሐዚ ሐዚ ምስ ሞት ተላሚድና ቁፅሪ ዝሞተ ሰብ ክንፅውዕ ስክፍታ ኣይሓድረናን ዘሎ]
ካብዚ ብተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ ኣይኮነን ዶ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣብ መሬት ትግራይ ድፋዕ ይሃንፅ ፣ ነታጉ ይቐብር ፣ ሰባት ይጨዊ ፣ መሬት ትግራይ ካብ ሰብ ናፃ ይገብራ ኣሎ።
ኣብ ዞባ ማእኸል ድማ ከባቢ ኣድያቦ ትግራዋይ ዘበለ ፍጡር ብጅምላ ይቐትልን ይጭፍጭፍን ፣ ነቲ ከርክበሉ ዘይክኣለ ድማ ከቢድ ብረት ይድብድብ ኣሎ። [እዚ ደብዳብ ብረት ሐዚ ይፍፀም ዘሎ እዩ]
ምስ እዚ ብዝተሓሓዘ ሰራዊት ትግራይ ሒዝዎ ካብ ዝፀንሐ ውግእ መስመራት ለቂቑ ምውፃእ ጀሚሩ ኣሎ።
ሰራዊት ትግራይ ዝለቀለን ዘሎ ግምባራት ደቡብ፣ ማይቅነጣል፣ ዛላምበሳ፣ ነበለት፣ ጨርጨር፣ ኩኩፍቶ፣ ሕጉምብርዳ፣ በሪ ተኸላይን ኣበርገለን ግምባራት እየን።
766 views**, 23:59