2022-12-13 21:42:15
ሓደ ሓውና ካብ መቐለን ንሽረ ክጉዓዝ ከሎ ዝርኣዩ ትዕዝብቲ
Via ትግራይ Tigray
====================
ስዓት 3 ከባቢ ካብ ርእሰ ኸተማ ትግራይ መቐለ ጉዕዞ ናብ ናይ ሐዚ ርእሰ ኸተማ ብልፅግናንን ሻዕብያ ልኾነት ኸተማ ሽረ ፃዕዳ!
ካብ መቐለ ወፂኻ ናብ ገጠራት ትግራይ እንትኣትዉ ሓረስታይ ምህርቱ እንሰበሰበ ኣዴታት ካብ ገረባት ትግራይ ልስተ ማይ እንቀደሓ ተሸኪመን ምኻድ ልሙድ እዩ፡፡ ካብ መቐለ ክሳብ ዓብይ ዓዲ ናይ ትግራይ ሰራዊት ብበዝሒ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ምርኣይ ልሙድ እዩ።ናይ ህዝብና ምንቅስቃስ ሰላማዊ ግን ኣብ ሕሱም ድኽነት እና ዓፀቦ ክምዝነብር ትምልከት፡፡
ካብ ዓቢይ ዓዱ ሓሊፍካ ዉን ሰራዊት ትግራት እናራኣኻ ናብ በርኻታት ተምቤን ኣተና ፣ ናብ ማይቕነጣል ክትኣትዉ ዘሎ ደንደስ ዕበይ ልበል በሪኺ ቦታ ክንኣትዉ ክንበል ናይ ኢትዮጲያ ባንዴራ ምስረኣና ኩለና ደንገፅና ለካ ኬላ(መፈተሺ ቦታ ) ካብዛ ቦታ ይጅምር ኣብቲ ቦታ ብዝሕ ዝበለ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ይርከብ ፣ ንሳቶምውን ይፍትሹ ዋላ ናይ UN ልበሃል የለይ ኩሉ ይፍተሽ ሽም ዝርዝር ኣረጋጊፆም እዮም ክትሓልፍ ልፈቕዱ።
እብዚ ብጣዕሚ ልገረመኒ ግን ኣብ መቐለ እናሃአልና ልዉረይና በዞም ሓደ ሓደ ልናፈስ ናይ ሕሶት ወረ ፒፒ እና ሻዕብያ ተባኢሶም እዮም በበይኖም እዮም ለለዉ እናተባሀል ልነጉርኒ ለነበሩ ሰባት ብጣዕሚ ፀለእኹዎም ልነበረኒ አተሓሳስባ እዉን ጌጋ ከምዝነበረ ተረዲኣ።
ፒፒን ሻዕብይ እንካን ክብኣሱ ኣብናይ ኢትዮጲያ ሰራዊት ካምፕ ብሓደ እና ጎኒ ልጎኒ ናይ 300ሜትር ኣፋላላይ ኣብ ዘለዎ ቦታ ከምዝነብሩ ማይ ቦቲ(water tanker)ብሓደ ከምዝከፋፈሉ ብዓይነይ ተዓዚበ ልገርም ሰራውት ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ክዳን ልተኸደኑ ኣለዎ። ብበዝሒ ሰራዊት ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ መእተዊ ማይቕነጣል ክሳብ ሽረ መፈተሺ ቦታ ብበዝሒ ኣለዉ ካብ ናይ ፒፒ ሰራዊት ንላዕሊ!
ዓድዋ ጭር ኢላ ልተወሰነ ሰብ ኣብ ኣስፓልት ትረክብ፡፡ ካብ ዓድዋ ክሳብ ኣኽሱም መካናይዝ እና ሎጂስቲክችስ ፒፒ ይርከብ። ናይ ፒፒ ሰራዊት ኣብ መንጎ ዓድዋ እና ኣኽሱም ወታደራው ስልጠና ይወሃቡ ኣለዉ ኣብ መንገዲ እናጎየዩ መለማመዲ ስእልታት ሒዝም ምኻድ ልሙድ ይመስል፡፡ልክዕ ኣኽሱም ምስ ኣተና ፒፒ ሰራዊት፡ ፋኖ፡ፍሉይ ሓይሊ ሲዳማ፡ፍሉይ ሓይሊ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ፍሉይ ሓይሊ ደቡብ ህዝቦች፡ሻዕብያ ኣብ ብዙሕ ቦታ ይርከቡ !ብፍላይ ኣብ አስፓልትን ናብ እንዳ ፅዮን ማርያም ሓወልቲ ኢትዮ ቴለኮም መንገደሐ!
ህዝብና ለ ማይ የብሉ ኤለክትሪክ የብሉ ብዝተወሰነ ልጀመረ ስልኪ ኣብታ ቴለኮም እና ኣስፓልቲ ጥራሕ ስለ ልሰርሕ ኣብኡ ብዝሕ ዝበለ ይርከብ።ሞባይል ጃርጅ ክሳብ 30 ቕርሺ የኽፍል ሞባይል ካርዲ ኣብ ሓደ ሓደ በዓል 10 20 ቕርኢ ትዕድግ ኣብ ኻሊእ ለለ 50% ወሲኾም ይሸጡልካ እዞም ሰባት ለዋሃት እዮም ማለት እዩ(those who sold 50% added value ማለት ቕዩ )፡፡
ካብ ኣኽሱም ክሳብ ሰለኽለኻ ሰብ ዳርጋ የለይ ንእሽተይ ሰብ ብዙሕ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰለኽለኻ መዉፀኢ ናብ ሽረ ናይ ሻዕብያ ሰራዊት መፈተሺ ቦታ ኣለዎ፡፡ እቲ ብጣዕሚ ልገርም እና ለሕዝን ግን ፒፒን ሻዕብያ ክብ ዘለዉ ቦታ ጀሚሩ ምንም ዓይነት ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎይ ዝበሃል የለይ ዋላ ሓንቲ መኪና ኣይትረክብን ዋላ ሰብኣዊ ሓገዝ ልህባ ለ የለዋን ካብ እተን ን ሽረ ልተፈቐደለን ናይ UN convey ወፃኢ።
ሽረ ኣቲና ድምፂ ሙዚቃ ብሄር ብሄረ ሰቦች ሰማዓና ኣብ ሽረ ለለዉ ናይ ሰራዊት ዓይነት ዩኒፎርም ናይ ሎሚዘበን ብሄር ብሄረሰቦች ኣብ ሃዋሳ ሲዳማ ክልል ለይኮነስ
524 views**, 18:42