Get Mystery Box with random crypto!

ዜና ዓወት! ሓየት ሰራዊት ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትልሚ ኣድላዩ ናይ ቦታ ምትዕርራይ ምስገበረ ኣብ | መንፈሳዊነት እንማርበት የተዋህዶ ፍሬዎች እንሁን

ዜና ዓወት!

ሓየት ሰራዊት ትግራይ ብናይ ባዕሉ ትልሚ ኣድላዩ ናይ ቦታ ምትዕርራይ ምስገበረ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ዋጃ፣ ጥሙጋ፣ ዓዲ ኣውሊዕን ሓዱሽ ቅኝን ዓሪዱ ንብረትን ጥሪትን ህዝብና ብምዝራፍ ሰላማውያን ሰባት ብግፍዒ እንዳቐተለ ፀኒሑ እዩ።

ነዚ ግፍዒ ዝፍፅሙ ዝነበሩ ደጀን፣ ነብሮ፣ ጣና ዝተብሃሉ ክፍላተ ሰራዊት ዝተወደበ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ብበዝሒ ፋኖን ምልሻን እንትኾኑ ጅግና ሰራዊትና ብዕለት 30 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ነዚ ኣብ መሬት ትግራይ ዝኣተወ ወራሪ ሓይሊ ብምፅርራግ ኮሎነል ደረጀ ዝበሃል ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ነብሮን ሓለቃ ሽሕ መንግስቴ ዝተብሃለ ኣዛዚ ቦጦሎኒን እንትቕተሉ ብድምር ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰብኣዊ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ዝበፅሐ እንትኸውን ድሽካ፣ ብሬንን ስናይፐርን ዝርከቦም ብኣማኢታት ዝቑፀሩ ፎኮስቲ ኣፅዋራት ብርክት ዝበለ ጠያይትን ብምምንዛዕ ሰራዊትና ንጥሙጋ፣ ዋጃ ፣ ዓዲኣውሊዕን፣ ሓዱሽ ቅኝን ተቆፃፂሩ ኣብ ቦታኡ ናይ ምክልኻል ቁመንኡ ኣጠናኺሩ ሒዙ ኣሎ።

ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
ትግራይ ትስዕር
01 ጥሪ 2014 ዓ/ም


https://t.me/r00M3mF3Zhw2YzE0