Get Mystery Box with random crypto!

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ---- ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓ | መንፈሳዊነት እንማርበት የተዋህዶ ፍሬዎች እንሁን

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
----
ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣብዚ ሃገር ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ መሰረታዊ መፍትሒኡ ዝርከብ ብፖለቲካን ዘተን ምዃኑ ብምእማን ኩሉ ነገር ብሕጊ፣ብሰላምን ምይይጥን መዕለቢ ክረክብ ከይተሓለለ ተቓሊሱ ክሳብ ሐዚዉን ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት ብተደጋጋሚ ቅዋም ብምውሳድ ንፈታውን ፀላእን ከምኡውን ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ እናፍለጠ መፂኡ እዩ።

ኣብ ቀረባ ጊዜ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ካብ ዘለዎም ባህጊ፣ ድልየትን እምነትን ዝብገስ ሰራዊት ትግራይ ተቖፃፂርዎም ካብ ዝነበሩ ዝተፈላላዩ ቦታታት ዓፋርን ኣምሓራን ብገዛእ ፍቓዱ ወፂኡ። እዚዉን ንሰላም ቀዳምነት ዝሃብና ምዃና ማሕበረሰብ ዓለም ተረዲኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ እወንታዊ ሓሳቡ ኣብ ምግላፅ ይርከብ።

ይኹንደኣምበር እቲ ንመንበረ ስልጣኑ ክብል ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ቅሉዕ ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጆኖሳይድ ዝፈፀመን ይፍፀም ዘሎን ሕዚዉን ንዘቕረብናዮ ፃዉዒት ሰላም ፀማም እዝኒ ሂቡ እከይ ኣረመንያዊ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ቐፂሉሉ ኣሎ። ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ሕገ መንግስታዊ መሬት ትግራይ ብደቡብ ኣንፈት ብምጥሓስ ውግእ ጀሚሩ ኣሎ። ብተወሳኺ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ውን ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ናብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣካይዱ ኣሎ።

ስለዝኾነ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሕዚውን ከም ወትሩ ህልውንኦም ንምርግጋፅ ክብሉ ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ተሓታቲ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ምዃኖም ነፍልጥ።

ስለዝኾነ ኣማራፂ ሰላም ተሓሲሞም ብሓይሊ ጨፍሊቖም ከጥፍኡና ንዝህንደዱ ዘለዉ ደመኛታት ፀላእትና ሕድሕድ ደቂ ትግራይ ከም ወትሩ ስነ ኣእምራዊን ኣካላውን ድልውነት ብተግባር ብምርግጋፅ ቃልስኹም ከም ተሕይሉ መንግስቲ ትግራይ ንፃት እውን ፈፂሙ ኣይጠራጠርን።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ንሰላም ተሓሲሙ መወዳእታ ዘይብሉ ደም ምፍሳስ ንምቕፃል ላዕልን ታሕትን ንዝወናጨፍ ዘሎ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ዘየዳግም ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ትግራይ ደጊሙ ፃውዒቱ የቕርብ።

ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቕልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም



https://t.me/r00M3mF3Zhw2YzE0