2024-05-14 19:12:16
ኣብ ሃገረ ጃፓን ዝማሃር ዝነበረ ሓደ ኣፍሪካዊ መንእሰይ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ከምዚ ክብል ፂሒፉ ነይሩ።
" ...ኣብታ ሃገር ኣብ ዘሎ ባዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ጋሻ ኮይነ ፤ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ሆቴል መሐመሲ ጋብላ እርእይ።
ኣብዚ መሐመሲ ጋብላ ብዜካ ኣነ ካሊእ ዝሕምስ ሰብ ኣይነበረን። እንዳሓመስኩ ድንገት ሽንቲ ማይ ይሞልቆኒ።
ከይፀናሕኹ ኣዝየ ደንገፅኩ።
ቅፅበት እቲ ዝሕምሰሉ ዝነበርኩ ጋብላ ማይ ናብ ሮዝ ሕብሪ ተቐይሩ።
ኣላርም (መንቅሒት) ናይቲ መሐመሲ ንፃት ከይፀንሐ ድምፂ ምስ ኣስመዐ ሰራሕተኛታት መፂኦም ኣውፁኡኒ። ካብኡ እቲ ማይ ከም ዘወግዱዎን ነቲ ጋብላ ድማ ከም ዘፅርይዎን ፣ ናይቲ ሆቴል ሕገ ደንቢ ከም ዝጣሓስኩን መርድእ ነገሩኒ።
ካብኡ ይፅዉዑኒ እሞ እታ ተቐባሊት ጋሻ ፓስፖርተይ ሂባ ካብቲ ሆቴል ንኽወፅእ ሓተተትኒ።
ካብቲ ሆቴል ወፂአ ካሊእ መማረፂ ክእልሽ ጀመርኩ።
ኮይኑ ግና ናብ ዝኾነ ሆቴል ብዝኣተኹ ቑፅሪ ፓስፖርተይ እንዳራኣዩ ' ይቅርታ ...ንስኻ ዲኻ?...ስለ ዘይተቐበልናካ ይቅርታ ...' በሉኒ።
ናብ ካልኦት ሆቴላት እንተኸድኩ እዉም ተማሳሳሊ ኮይኑኒ።
ኣብ መወዳእታ ምስ ጨነቐኒ ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሆቴል ከዕርፍ ስለ ዘይካኣልኩ ንኸመልክት ናብቲ ኤምባሲ ኣምራሕኹ።
እቲ ኤምባሰየይ ድማ መሐመሲ ዘይብሉ ሆቴል ንኽሕዝ ምኽሪ ለጊሱለይ።
ካብ ሃገረ ጃፓን ክወፅእ እንተለኹ ፤ እታ ሓላፊት ፓስፖርተይ ክተረጋግፅ እንተላ ፤ ' ትምህርቲ ከም ዝቐሰምካ ተስፋ እገብር ' በለትኒ።
ከምዚ ክብል ድማ ኣስተንተንኩ ፡
ኩሉ ጃፓናዊ ሽንተይ ኣብ መሐመሲ ባስካ ከም ዝሸንኩ ይፈልጥ ነይሩ። ኣብታ ኣነ ዝመፃኹላ ኣፍሪካዊት ሃገረይ ግና ክሳብ ሕዚ መንግስትና ካብ ናይ መንግስቲ ካዝና ቢብልዮን ዝቑፀር ዶላር ዝሰረቐ መን ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን..."
ምንጪ፡ :Tales Of Africa
፡
ሕግን ስርዓትን ዘለዋ ዓዲ ፤ ምንም ተላዒሉ ኣየርሳሓን ፣ ኣይጉሕላን ፣ ኣይወራን ፣ ኣየዕንዋን !
ማንም ተላዒሉ ሰብ ኣይቐትልን ፣ ሰብ ኣይዕፍንን....!
እንተኾነ 'ዉን ካብ ሕጊ ኣየምልጥን!!!
፧
ፈላስፋ ኣፍተራሪ ዘርኣያቆብ
[ፈኣዘ]
6.7K views16:12