Get Mystery Box with random crypto!

ኣሸንዳ / በዓል ናጽነት/ ኣሸንዳ ሓድሽ ዓመት ክልተ ሰሙን ክተርፎ ከሎ ሓድሽ ዓመት ብደስታን ብ | ቱንቢ ላቭ ሚዲያ 💟

ኣሸንዳ / በዓል ናጽነት/

ኣሸንዳ ሓድሽ ዓመት ክልተ ሰሙን ክተርፎ ከሎ ሓድሽ ዓመት ብደስታን ብሓጎስን ብብሩህ ተስፋ ንምቅባል ዝኽበር በዓል እዩ።

ፍቅርን ይቕረ ምባልን ምርድዳእ ከምኡ ውን ካለኦት ሰናይ ተግባራት ይንጸባረቑሉ።

ፍቅርን ምትሕብባርን ካብ ምስባኽ ሓሊፉ ብተግባር ዝረኣየሉ መድረክ እዩ።

ብቀንዱ አዚ በዓል ደናግል ዝኾና ኣዋልድ ናጽነተን ዝእውጃሉን ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለይ ካብ ገዝአን ወጺአን ዝውዕላሉ ፍሉይ ዝኾነ በዓል እዩ ።

ነገር ግን እዘን ኣዋልድ እዚ ናጽነተን ክሕልዋ ዝኽእላ እቲ በዓል ተኸቢሩ ክሳብ ዝውዳአሉ መዓልቲ ጥራይ እዩ ።

ንዘላአለም ዝኸዉን ናጽነት ከ ይፈልጣ ዶ?

እወ ንዘላአለም ዝኸዉን ናጽነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝርከብ ።

ብሓጥያትና ምክንያት ካብ ዘኣተናዮ ማእሰርቲ ተፈቲሕና ብናጽነት ንኽነብር ክርስቶስ ናይ ሓጥያትና ኩሉ ዕዳ ከፊልዎ። ፍቅሩን ምሕረቱን ቅሳዕ ኣብ መስቀል ብሙማት አርእዩና።

አዚ ፍቱው ጎይታ ብምእማንን ብምፍላጥን ንዘላአለም ዝኸዉን ናጽነት ይርከብ።

ወንጌል ዮሃንስ 8÷36፤ ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።