Get Mystery Box with random crypto!

ክንዲ ሻዕቢያ ዕድለኛ መንግቲ መን ኣሎ? ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታትጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ | Stalin Gebreselassie

ክንዲ ሻዕቢያ ዕድለኛ መንግቲ መን ኣሎ?

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታትጥራሕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ብባሕሪ ሓዊሱ ብዝረኸቦ ዕድል ንደገ ተሰዲዱ'ዩ። ካብ ዓሳ ኣምሊጡ፣ ካብ ጀነራላት ኤርትራ ዘዋፈሩዎም ናይ ኩላሊት ነጋዶ ኣምሊጡ ደገ ዝወፀ ጀሚሩ ኣብ ሊቢያ ኮፍ ኢሉ መርከብ ዝፅበ ዘሎ ( ባሕሪ ክበልዖም ድዩ ክተርፉ) ዘይፈለጡ) በዓል ናፅነት ኤርትራ የኽብሩ ኣለው። ኣብ ኤርትራ ኣይትነብርን ኢሉ ብባሕርን በረኻን ዘሰደደካ መንግስቲ እናሞገስካ በዓል ይኽበር ኣሎ።

ንህዝቢ ትግራይ ዝጨፍጨፉሉ ኣጋጣሚታት'ውን ከም በይኖም ናብ ትግራይ ኣቲዮም ስዒሮም ዝፈፀሙዎ ዓወት ገይሮም ክስዕስዑ ይረኣይ ኣሎ። እዚ ጌጋ እዩ ካብ ምባል ወፃኢ ካሊእ መልሲ የብሉን።

ጀጋኑ ኣሲሩ፣ ንመንእሰይ ኣሰዲዱ፣ ህዝቢ ብጩቕ ከይብል ኣሳሲሩ አቐሚጡ፣ በዓል ናፅነት ግን የኽብሰሉ ኣሎ ህዝቢ።

ናይ ኣ.ኣ በዓል ናፅነት ግን ዓሚ ዝተደረፉ ደርፍታት ካልኣይ ከምዘይድገሙ ህግደፍ ይፈልጥ እዩ። ንሳዕሳዕቱ እውን ክነግሮም ይግባእ። ታሪኽ ተቐዪሩ'ዩ።