Get Mystery Box with random crypto!

ትማሊ ናይ ሓደ መንእሰይ ኣስከሬን ቤተሰቡ ተፀዊዖም ብናታቶም ወፃኢ ካብ መቐለ ናብ ትውልዲ ቦትኡ | Stalin Gebreselassie

ትማሊ ናይ ሓደ መንእሰይ ኣስከሬን ቤተሰቡ ተፀዊዖም ብናታቶም ወፃኢ ካብ መቐለ ናብ ትውልዲ ቦትኡ ወረዳ ኣሕሰኣ ተወሲዱ። ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ጉዱእ ኣካል ኩናት ትግራይ'ዩ። ኣብ መለስ ኣካዳሚ ኣብ ሕክምና ዝነበረ'ዩ ተባሂሉ። ንዝኾነ ጉዳይ ኢሉ ንኸተማ ወሪዱ ጎይዩ ከምልጥ ዘይኽእል ጉዱእ ጅግና ብግፍዒ ኣጥፊኦምዎ።

ኣመራርሓ እቲ ዝሕከመሉ ግቢ ናብ ትውልዲ ዓዱ ተወሲዱ ቀብሪ ይፈፀም ተባሂሎም ተሓቲቶም፤ ኣብ ደገ እዩ ሞይቱ፣ ቤተሰብ ባዕልኹም ውሰዱዎ እሞ ከም ስውእ ግን ክንምዝግቦ ኢሎም መሊሶምልና ኢሎሙኒ።

ኣስከሬን ትማሊ ወሲዱዎ። ቤተሰብ ሓዚኑ። ካብ ከቢድ ውግእ ኣካሉ ሂቡ ነብሱ ዝደሓነ፣ ኣብ ዓዱ ህይወቱ ተቐጢፉ። ክትዛረቦ ይኸብድ። ተስፋ የፀልምት። የሐዝን። ተመሳሳሊ ፍፃመ በብመዓልቱ ይስማዕ ኣሎ።