Get Mystery Box with random crypto!

#ድምጽና_ንለተሰንበት_ጊደይ_ንሃብ ማሕበር ኣትሌቲክስ ዓለም 'ናይዚ ወርሒ ብሉጽ ጊዜ' ብዝ | Mekelle 70 Enderta FC © ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ

#ድምጽና_ንለተሰንበት_ጊደይ_ንሃብ


ማሕበር ኣትሌቲክስ ዓለም "ናይዚ ወርሒ ብሉጽ ጊዜ" ብዝብል ንዝሰየሞ ሽልማት ብቑዓት እዮም ዝበሎም ኣትሌታት ዕላዊ ገይሩ እዩ።ካብቶም ነዚ ሽልማት ሕጹያት ኮይኖም ዝቐረቡ ኣትሌታት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክብረ ወሰን 5000 ሜትር ዝሰበረት ፍርያት ክልልና ዝኾነት ለተሰንበት ጊደይ ትርከብ።

ድምጽና ንለተሰንበት ጊደይ ንምሃብ ክነማልኦም ዝግብኡ ነጥብታት

እቲ ድምጺ ብዕላዊ ድሕረ ገጽ ትዊተር ማሕበር ኣትሌቲክስ ዓለም ስለዝወሃብ ናይ ትዊተር ኣካውንት የድልየና

ካብኡ ብምቕጻል ናብ ዕላዊ ድሕረ ገጽ ማሕበር ኣትሌቲክስ ዓለም ኣቲና ናይ ለተሰንበት ምስሊ ዘለዎ tweet (post) ምስ ረከብና Retweet (ብናይ ፌስቡክ ኣበሃህላ "share" ) ንገብሮ፣ ብዙሕ Retweet ዝረኸበ ኣትሌት ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ይኸውን

ድምጺ ምሃብ ንክዛዘም 19 ሰዓታት ይተርፍዎ

ንለተሰንበት ጊደይ ድምጽና ንምሃብ ነዚ link ንጠቐም https://t.co/fE5sRDWd3j