Get Mystery Box with random crypto!

ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ

የቴሌግራም ቻናል አርማ dmenkr — ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ
የቴሌግራም ቻናል አርማ dmenkr — ትምህርት ዘመምህር መንክር መዓሾ
የሰርጥ አድራሻ: @dmenkr
ምድቦች: ሃይማኖት
ቋንቋ: አማርኛ
ተመዝጋቢዎች: 1.10K
የሰርጥ መግለጫ

ወደየ ኣብ ክርስትናኻ ክትዓቢ እንተደሊኻ ገዛእ ርእስኻ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍት ኣዛምድ።
ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ
ኣነ ከም ግብሪ ሓይሉ ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ወንጌል ኮንኩ!! {ኤፌ 3፡7}

Ratings & Reviews

1.50

2 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

0

4 stars

0

3 stars

0

2 stars

1

1 stars

1


የቅርብ ጊዜ መልዕክቶች

2023-01-18 22:29:27 ስለ ጥምቀት ዝተነግረ ትንቢትን
ምሳሌን!


* መዝ 29፡3 ድምጺ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ማያት ይስማዕ ኣሎ፡ ኣምላክ ክብሪ የንጎድጉድ ኣሎ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት የንጎድጉድ ኣሎ፡
* መዝ 114፡3 ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት ዮርዳኖስ ከኣ ንድሕሪት ተመልሰት።
* ሕዝ 36፡26 ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም ኢየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም፡ ካብ ኲሉ ርኽሰትኩም ከጽርየኩም ኢየ።
* ሚክ 7፡19 ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግርኻ ክትረግጾ፡ ንዂሉ ሓጢኣትና ናብ መዓሙቅ ባሕሪ ክትድርብዮ ኢኻ።

                            ምሳሌ
# ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ናይ ግዝረት ሕጊ ምሳሌ ናይ ጥምቀት ኢዩ ኔሩ፡ ኣብ ኦሪት ዘይተገዝረ ሰብ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ቃልኪዳን ተኻፋሊ ኣይከውንን ኔሩ።
ዘፍ 17፥9-16 ሕጂ ከኣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዘይተጠመቀ ተስፋ ድሕነት የብሉን። ዮሓ 3፡3/ ማር 16 ፡ 16
ምግዛር/ግዝረት ናይ ጥምቀት ምሳሌ ከም ዝኾነ ውን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆላ 2፥10-12  ይነግረና። ብተወሳኺ ግዝረት ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዝፍጸም
ንዂሉ ውልድነት እትህብ ጥምቀት ድማ ሓንሳእ ጥራይ እትፍጸም ዘይትድገም ኢያ። ኤፌ 4፡5

# እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ምስጋሮም ናይ ጥምቀት ምሳሌ ኔሩ። ዘጽ 14፡22 ቅዱስ ጳውሎስ ስለዚ ምሳሌነት ክገልጽ ከሎ 1ቆረ 10፡1-2 ( ኣሕዋተየ ንዂላቶም ኣቦታትና ደመና ከም ዘጽለሎምን ኲላቶም ውን ባሕሪ ኤርትራ ከም ዝተሳገሩ ዘይትፈልጡ ክትኮኑ ኣይፈቱን ኢየ። ኲላቶም ድማ ሰዓብቲ ሙሴ ክኾኑ ብደመናን ብባሕርን ተጠምቁ።)

# ኖህን ቤተሰቡን ብእምነት መርከብ ሰሪሖም ካብ ጥፍኣት ማይ ምድሓኖም ድማ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ነበረ። ቅዱስ ጴጥሮስ ውን ምሳሌኡ ከረድእ ከሎ ኣብ 1ጴጥ 3፡20-21 "ትዕግስቲ እግዚኣብሔር ብመዓልታት ኖህ ምስ ተጸበየ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ ብኣኣ ሒደት ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ዝደሓኑላ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ ማለት ጥምቀት የድሕነኩም ኣሎ"።

# ነቢይ ኤልያስ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ምድረ ሕያዋን ምዕራጉ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ኢዩ። 2ነገ 2፡6 እዚ ከኣ ምእመናን ኣሚኖም ተጠሚቆም ገነት መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታዎም ምሳሌ ኢዩ፡፡

# ናይ ሶርያ ንእማን ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ተሓጺቡ ካብ ደዌ ሥጋ ምፍዋሱ ካብ ለምጺ ምንጽሁ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ኢዩ። 2ነገ 5፡14 ምእመናን ከኣ ብጥምቀት ካብ ደዌ ነፍስ ይፍወሱ።

ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ!

https://t.me/Dmenkr
181 viewsመንክር መዓሾ, edited  19:29
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-01-18 11:00:49

151 viewsመንክር መዓሾ, 08:00
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-01-13 07:46:49
እዛ መጽሓፍ ኣብ ርያድ በዚ ደዊልክን ክትረኽብኣ ትኽእላ ኢኺን

0590519833 ዕዱል
0508258229 ሃይማኖት
293 viewsመንክር መዓሾ, 04:46
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-01-07 02:40:51 እዛ ምሸት………

ጎይታ ስለ ዝተወለደላ ምሸት ቅዱስ ኤፍሬም ከምዚ ይብል………

‹‹እዛ ምሸት ንጹሕ ዝኾነን ንዓና ንኸንጽሃና ዝመጸ (አምላክ) ዝተገለጸላ ንጽሕቲ ምሸት ኢያ፡፡ ስለዚ ኣእዛና ንጹሕ ይኹን፤ ኣዕይንትና ናብ ንጹሕ ነገር ይመልከቱ፤ ስምዒት ናይ ልብና ቅዱስ ይኹን! ዝርርብና ብኣክብሮ ይምላእ!

እዛ ምሸት ናይ ዕርቂ ምሸት ኢያ፤ ስለዚ ማንም ሰብ ንሓው ተቆጢዑ ከየቀይሞ ይጠንቀቅ!

እዛ ምሸት ንዂሉ ዓለም ሰላም ዝሃበት ምሸት ስለ ዝኾነት ማንም ሰብ ኣይሸበር፡፡

እዛ ምሸት ናይ ጽቡቅ ተግባር ምሸት ስለዝኾነት ማንም ሰብ ክፉእ አይኹን!

እዛ ምሽት ናይ ትሕትና ምሽት ኢያ እሞ ማንም ሰብ ኣይተዓበየላ!

እዛ ምሸት ዕለተ ደስታና ስለ ዝኾነት ንዝበደሉና ኣይንበቀለላ!

ናይ ጽቡቅ ፍቃድ ዕለት ኢያ,ሞ ናይ ጭካኔ ዕለት ኣይንግበራ!

ናይ ጸጥታ ዕለት ኢያ,ሞ ብቁጥዓ እንነደላ ዕለት ኣይንግበራ!

ሎሚ እግዚአብሔር ናብ ኃጥኣን ዝመጻሉ ዕለት ኢዩ፤ ስለዚ ጻድቅ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኃጥኣን ኣይዂራዕ!

ሎሚ ብጣዕሚ በዓል ጸጋ ሀብታም ዝኾነ አምላክ ስሌና ድኻ ዝኾነሉ ዕለት ኢዩ፤ ስለዚ ሀብታም ሰብ ንድኻታት ናብ መግቢ ይጸውዓዮም፡፡

ሎሚ ዘይሓተትናዮ ህያብ ዝተቀበልናሉ ዕለት ኢዩ፡፡ ስለዚ ኣእዳዎም ዘርጊሖም እናኣእወዩ ንዝልምኑና ሰባት ናይ ረዲአት ኣእዳውና ንዘርግሕ!

እዛ ሎሚ ዕለት ንጸሎትና ናይ ሰማያት ማዕጾ ከፊታትልና ኢያ እሞ፤ ንሕና ከኣ ይቅሬታ ንዝሓቱና ሰባት ማዕጾና ንኽፈት!

ሎሚ አምላክ ንናይ ሰውነት ማኅተም ኣብ ገዛእ ርእሱ ሓተመ፤ ሰብ ከኣ ንናይ አምላክነት ማኅተም ተጎናጸፈ!

እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኣቦ ትሕትና ኣምላኽ ሎሚ ውን ኣብ ልቢ ኩላትና ይወለድ!!!

መም መንክር መዓሾ 29/04/2015
ምንጪ- ብሂለ ኣበው ካብ ዝብል መጽሓፍ

ቴለግራም ቻነል ቤተ ሰብ ይኹኑ!

https://t.me/Dmenkr
883 viewsመንክር መዓሾ, 23:40
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2023-01-05 20:18:07
እዛ መጽሓፍ ኣብ ርያድ በዚ ደዊልክን ክትረኽብኣ ትኽእላ ኢኺን

0590519833 ዕዱል
0508258229 ሃይማኖት
1.1K viewsመንክር መዓሾ, 17:18
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-12-31 23:26:58 ዓመትስ ተቀይሩ ንሕናኸ???

ንሕና ብእሩግና ሓዲስ ዓመት መጽዩ እናበልና ነቲ ዝነበረና ኣረጊት ናይ ሓጢኣት ሰውነት ኣርሒቅና ምስ ሓዲስ ዓመት ሓደስቲ ሰባት፡ ኣመስገንትን ቅዱሳንን ክንከውን፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ከኣ ለውጢ ከነርእን እንተዘይክኢልና፡ ሓዲስ ልብሲ ለቢስና ብርእሲኡ ግና ብዝነበረ ኣረጊት ክዳና እንተሸፈናዮ እንታይ ኢዩ ጥቅሙ? ዓመት ተቀይሩ ንሕናኸ? መኣስ ኢና ክንቅየር ? ሓዲስ ዓመት ምምጽኡ ጥራይ እንታይ ኢዩ ረብሓና? "ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒ ውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። ከምዝበለ ማቴ=9፥16-17 ነቲ ብሓጢኣት ዝኣረገን ዝጸልመተን ናብራና፡ ሕይወትና፡ ብሓድሽ ልብሰ ብርሃን፡ ብግብረ ጽድቂ ከነብርሆ ኢዩ ዝግብኣና። እንተዘይኮነ ግና ምውዳቅና ካብቲ ዝነበረ ዝገደደ ይኸውን፡፡

ንሕና ድማ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ "እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ" (ሮሜ=12፥2) ኢሉ ከም ዝመዓደና ውሽጥና ኣሐዲስና ፡ ካብ ሓሳብን ትምኒትን እዛ ዓለም እዚኣ ርሒቅና ክንነብር ይግብኣና።
 
         ኣብ ሓዲስ ዓመት እንታይ ንግበር?
ብፍቃድ ሥጋና ዝተመላለስናዮ ዘመን ይኣክል! ሮሜ 13፥11
ንእግዚኣብሔር ብዘይምፍራሕ ዘሕለፍናዮ ዘመን ይኣክል፡፡ 1ጴጥ 4፥3 ገላ 5፥16
ብጓይላ ብስኽራን ዘሕለፍናዮ ዘመን ይኣክል፡፡ 1ተሰ 5፥7
ብዝሙት ዕንደራ ዘሕለፍናዮ ዘመን ይኣክል። ሮሜ 13፥12
ብክርክር ፡ ብቅንኣት ዝተመላለስናዮ ዘመን ይኣክል!  ሮሜ=13፥14
ሓጢኣትና ዝድምሰሰሉ ናይ ንስሓ ዘመን ምእዋጅ! ግ,ሓዋ=3:20 ኢዩ=2:12-13
ኲሉ ሰብ ብፍቅርን ሰላምን ንኽነብር ዘመን ምእዋጅ!  ሮሜ=12:18 1ቆረ=13፥1-13

ዲ መንክር መዓሾ 31/12/2022

Share share share
https://t.me/Dmenkr
1.1K viewsመንክር መዓሾ, 20:26
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-12-31 23:26:56
ዓመትስ ተቀይሩ ንሕና ኸ???
901 viewsመንክር መዓሾ, 20:26
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-12-31 00:17:20 Channel photo updated
21:17
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-12-29 09:23:02
ምኽሪ ካብ ንጉሥ ሰሎሞን

ቴለግራም ቻነል ቤተሰብ ይኹኑ!

https://t.me/Dmenkr
938 viewsመንክር መዓሾ, 06:23
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-12-27 23:52:20
Share join share
https://t.me/Dmenkr
1.0K viewsመንክር መዓሾ, edited  20:52
ክፈት / አስተያየት ይስጡ