Get Mystery Box with random crypto!

እሞ እቲ ስርቆት የለን ድዩ? ኩላትና ኣብ ዓዲ ዘለና'ኮ ንፈልጥ ኢና:: ትካላዊ ስርቆት እዩ'ኮ ዘ | Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

እሞ እቲ ስርቆት የለን ድዩ? ኩላትና ኣብ ዓዲ ዘለና'ኮ ንፈልጥ ኢና:: ትካላዊ ስርቆት እዩ'ኮ ዘሎ ኣብ ትግራይ ሎሚ:: እቲ ናይ ጁባ ሌባ'ማ ኣብ ኣላማጣ እዩ ዘሎ ነቶም ሰልዲ ዘሐዉሉ እንዳሳደደ:: ኣብ ኩሉ ከባቢ ትግራይ ዘሎ ሌባ ግን ኣብቲ መንግስታዊ ኣካል ዘሎ ሓላፊ እዩ:: እዚ'ኮ ርኡይ ተግባር እዩ ኮይኑ ዘሎ:: ብዛዕባ እዚታት ተተዛሪብካ ግን "መኸተ ተተዓናቅፍ" ኢኻ ዘለኻ ኣብ ትግራይ:: መን እዩ ግን መኸተ ዘተዓናቅፍ ዘሎ? እቲ ትሰርቁ ኣለኹም ኢሉ ዝተዛረበ ድዩ ወይስ እቲ ኣዶታት ዝኣስር ዘሎ?

ደብረፅዮን'ኸ ክኢልዎ ድዩ? እንድዒ

ምኽኣሎ'ዶ ኣዝዩ መሰከፊ ናብ ዝኾነ ኣዶታት ናይ ምእሳር ተግባራት ካድረታቱ እንትኣትው ሱኽ ምበለ? ምኽኣሎ'ዶ ኮንፊደንሱ ከምዝስኣነ ሰብ ኣይትፅረፉኒ, ኣይትንቀፉኒ ኢሉ ሕጊ መዉፅአ? ምኽኣሎ'ዶ ኣብይ ክንድዚ መፃወቲ ምገበሮ?

መፍትሒኡ ሕጂ'ዉን ኣብ ህወሓት እዩ ዘሎ:: እቲ ኣመራርሓ ናብ ዘይከዉን ኣንፈት እዩ ዝመርሖ ዘሎ ነቲ ዉድብ:: እቲ ዉድብ ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ህዝቢ እንዳስኣኖ እዩ ዝርከብ:: ብፀላእቲ ዘይተንበርከኸ ህዝቢ ብናይ ባዕሉ ኣመራርሓ እንዳለመሰ እዩ ዝርከብ:: እቲ ዉድብ ቶሎ ኢሉ ንባዕሉ ክፍትሽ ይግባእ:: ነቲ ህዝቢ'ዉን ይቅርታ ይሕተት::

SUPREME LEADER, እተን ኣሲርካየን ዘለኻ ኣዴታት ብህፁፅ ፍትሐየን:: እቶም ዝወፅኡ ዝለው ሕጊታት ድማ ስሓቦም, እንተዘይኮይኑ ኣሽሓት ኢኻ ክትኣስር::

ኣዮኻ ናይና

ብ Mezeker A. Zemo