Get Mystery Box with random crypto!

Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

የቴሌግራም ቻናል አርማ digital_woyane — Digital Woyane - ድጅታል ወያነ D
የቴሌግራም ቻናል አርማ digital_woyane — Digital Woyane - ድጅታል ወያነ
የሰርጥ አድራሻ: @digital_woyane
ምድቦች: ያልተመደበ
ቋንቋ: አማርኛ
ተመዝጋቢዎች: 7.03K
የሰርጥ መግለጫ

Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

Ratings & Reviews

3.67

3 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

1

4 stars

1

3 stars

0

2 stars

1

1 stars

0


የቅርብ ጊዜ መልዕክቶች

2022-04-19 18:25:23
ኣያ ዘራኣብሩኽ ብመንእሰዮም ካብ ተዋስኦ ትግርኛ ዘይፀግቦ
Video - https://www.facebook.com/Woyanai/
8.1K views15:25
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-19 17:19:16 እሞ እቲ ስርቆት የለን ድዩ? ኩላትና ኣብ ዓዲ ዘለና'ኮ ንፈልጥ ኢና:: ትካላዊ ስርቆት እዩ'ኮ ዘሎ ኣብ ትግራይ ሎሚ:: እቲ ናይ ጁባ ሌባ'ማ ኣብ ኣላማጣ እዩ ዘሎ ነቶም ሰልዲ ዘሐዉሉ እንዳሳደደ:: ኣብ ኩሉ ከባቢ ትግራይ ዘሎ ሌባ ግን ኣብቲ መንግስታዊ ኣካል ዘሎ ሓላፊ እዩ:: እዚ'ኮ ርኡይ ተግባር እዩ ኮይኑ ዘሎ:: ብዛዕባ እዚታት ተተዛሪብካ ግን "መኸተ ተተዓናቅፍ" ኢኻ ዘለኻ ኣብ ትግራይ:: መን እዩ ግን መኸተ ዘተዓናቅፍ ዘሎ? እቲ ትሰርቁ ኣለኹም ኢሉ ዝተዛረበ ድዩ ወይስ እቲ ኣዶታት ዝኣስር ዘሎ?

ደብረፅዮን'ኸ ክኢልዎ ድዩ? እንድዒ

ምኽኣሎ'ዶ ኣዝዩ መሰከፊ ናብ ዝኾነ ኣዶታት ናይ ምእሳር ተግባራት ካድረታቱ እንትኣትው ሱኽ ምበለ? ምኽኣሎ'ዶ ኮንፊደንሱ ከምዝስኣነ ሰብ ኣይትፅረፉኒ, ኣይትንቀፉኒ ኢሉ ሕጊ መዉፅአ? ምኽኣሎ'ዶ ኣብይ ክንድዚ መፃወቲ ምገበሮ?

መፍትሒኡ ሕጂ'ዉን ኣብ ህወሓት እዩ ዘሎ:: እቲ ኣመራርሓ ናብ ዘይከዉን ኣንፈት እዩ ዝመርሖ ዘሎ ነቲ ዉድብ:: እቲ ዉድብ ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ህዝቢ እንዳስኣኖ እዩ ዝርከብ:: ብፀላእቲ ዘይተንበርከኸ ህዝቢ ብናይ ባዕሉ ኣመራርሓ እንዳለመሰ እዩ ዝርከብ:: እቲ ዉድብ ቶሎ ኢሉ ንባዕሉ ክፍትሽ ይግባእ:: ነቲ ህዝቢ'ዉን ይቅርታ ይሕተት::

SUPREME LEADER, እተን ኣሲርካየን ዘለኻ ኣዴታት ብህፁፅ ፍትሐየን:: እቶም ዝወፅኡ ዝለው ሕጊታት ድማ ስሓቦም, እንተዘይኮይኑ ኣሽሓት ኢኻ ክትኣስር::

ኣዮኻ ናይና

ብ Mezeker A. Zemo
7.9K views14:19
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-19 17:19:15 ደፊርካ, ዝመፅአ ይምፃእ ኣብ ዓዲ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ምፅሓፍ, ምዝራብ ትጅምር'ሞ ኩሉ ናባኻ እንዳመፅአ ሓበሬታ የቀብለካ:: ናይ እማን እዚ ነገር ኣብ ትግራይ ድዩ ዘጋጥም ዘሎ ኢልካ ምሕታት ትጅምር'ሞ ከየፃረኹ ኣይፅሕፍን, ኣይዛረብን ትብል:: ናብቲ ሓበሬታ ዝተቀበልካሉ ቦታ ትኸይድ'ሞ ካብቲ ዝተብሃልካዮ ንላዕሊ እቲ ፀገም ኸሪሩ ትረኽቦ:: ንምንታይ እዩ ከምዚ ዝኾን ዘሎ ኢልካ ምሕታት ምስጀመርካ ኩሉ ናይቲ ፀገም መበቆሊኡ ኣበይ ከምዝኾነ ይርድአካ:: እንታይ እንዳበልኩ ከምዝኾነ ከረድአኩም::

ነበርቲ ከተማ ዓድዋ ብባጃጅ ምንቅስቃስ ካብ ዝገድፍዎ ግዜያት ኣቁፂሮም ኣለው:: ባጃጅ ቤንዚን ስለዝኾነት, ቤንዚን'ዉን ስለዘየለ ሰባት ከም በጊዕ ብድሕሪ ማሂንድራ ተፃዒኖም እዮም ዝኸዱ:: ምንም ምቾት ዘይብሉ ጉዕዞ ዋላ እንተኾነ ካብ ነጥቢ 1 ናብ ነጥቢ 2 ስለዝትወስደካ ሰባት ኣብ ሓንቲ ማሂንድራ 10-15 ሰባት ብድሕሪት ተፃዒኖም እዮም ዝኸዱ::

ሓደ ምዓልቲ ግን እቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዘሎ ኣመራርሓ "እተን ማሂንድራስ ከመይ ገይረን እየን ዝንቀሳቀሳ ዘለዋ? ነዳዲ ይሰርቁና ኣለው ማለት እዩ" ኢሎም ናብ ሓደ ዉሳነ ይበፅሑ:: 87 ማሂንድራታት ዘለውዋ ከተማ ዓድዋ እቶም ኣመራርሓ ብሽም ነዳዲ ይሰርቁና ኣለው ምስ 87 መናእሰየን ናብ ማእሰርቲ ይዳጉንዎም:: ነቶም መናእሰይ ምስኣሰርዎም ድማ "ነዳዲ ትሰርቁና ኣለኹም" ገለ ኢሎም ከፋጥጥዎምን ከፈራርሕዎምን ምስሞከሩ እቶም መናእሰይ ድማ "ሓንቲ ዝሰረቅናያ ሊትሮ ነዳዲ የላን:: ብዓልኩም ኢኹም ዝትሸጡልና ዘለኹም:: እንተደሊኹም ኣብዚኣ ተር በሉ, መን ከምዝሸጠልና ዘሎ ክንሕብረልኩም" ይብልዎም:: ቀፂሉ ዝተፈጠረ ነገር ግን ብጣዕሚ እዩ ዝገርመኩም:: ምንም ከምዘይተፈጠረ ነቶም መናእሰይ እቶም ኣመራርሓ ፈቲሖሞም:: እቲ ጉሕለት ኣብ ብዓልቶም ከምዝኮነ ምስፈለጡ ምንም ከምዘይተፈጠረ ፈቲሖሞም::

ኣነ ሕቶታት ኣለኒ እዩ ንዶክተር ደብረፅዮን::

ንምንታይ እዩ ኣብ ትግራይ ትርጉም ዘይህቡ ማእሰርቲታት ተበራኺቶም ዘለው? ንምንታይ እዩ እቲ ካድረ ሓይሊ ክንድዚ ክፀግብ ዝተፈቀደሉ?

*ሓፈሳ ዝብሃል ፖሊሲ የብሉን እዩ TDF:: እቲ መንእሰይ ናብተን ህዝባዊ ኣኼባታት ክኸይድ ግዴታ ዋላ እንተሃለዎ እታ ናይ መጨረሽታ ዉሳነ ግን ኣብቲ መንእሰይ እያ ዝትዓርፍ:: እስካብ ቀረባ ግዜ እቲ ካድረ ኣብተን ኣኼባታት ብሓሳብ እዩ ዘእምን ነይሩ, ሕጂ ግን ኣብ ብርክት ዝበሉ ኸባቢታት ናብ ካልእ ነገር ተሰጋጊሩ እዩ ዝርከብ:: እቲ ናይ ካድረ ሓይሊ ናብ ሓፈሳ እዩ ኣትዩ ዘሎ, ናብ ወለዲ ምእሳር እዩ ኣትዩ ዘሎ:: ናብ ማሰልጠኛታት ኣቅኒዐ ዝተሓፈሱ መናእሰይ ንምልስ ኢና ዘለና ኢሎምኒ እዮም:: ንምንታይ ድኣ እዩ ናብ ሓፈሳ ዝእተዉ ዘሎ ኢለ ምስሓተትኩ እቲ ፀገም ኣበይ ከምዘሎ ይርድአካ::

እቲ ናይ ሰራዊት ምልመላ ስራሕ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝምራሕ እንትኸዉን እሶም ድማ ነቲ ካድረ ኮታ ኣዉፂኦም ሂቦሞ እዮም:: መቀለ ዘለኻ ካድረ ክንድዚ ኣጋድል, ዉቅሮ ዘለኻ ካድረ ክንድዚ ኣጋድል ተባሂሉ ኮታ ተዓዲልዎ እዩ:: ድሕሪ ምምላስ እቲ ፖለቲካ ስለዝተበላሸወ እቲ ካድረ ተዛሪቡ ከእምን ስለዘይክኣለ ድማ ናብ ሓይሊ እዩ ተሰጋጊሩ ዘሎ:: ብግዲ ምሕፋስ, ወለዲ ምእሳር እዩ ጀሚሩ ዘሎ:: ኮትኡ ንኽመልእ ኢሉ ኣዶታት ናብ ምእሳር እዩ ኣትዩ ዘሎ እቲ ካድረ:: ሕማቅ እንትሰርሕ ዝዛረቦን ዝቆፃፀሮን ኣካል ስለዘየለ ድማ ኣብ ዝተወሰና ኸባቢታት ዝነበረ ሕምቀት ናብ ብርክት ዝበሉ ኸባቢታት እቲ ፀገም ተስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ::

ኪድ እስከ ኵሓ, 82 ወለዲ ብሓንቲ ትእዛዝ ዝተኣሰሩሉ:: ኪድ እስከ 07 ቀበሌ, ዓዲሽንድሑን ኣብ መቀለ:: ኪድ እስከ ኣክሱም, ሽረ, ተምቤን:: መንእሰይ ኣላማጣ ንምንታይ እዩ ናብ ቆቦ ዝስደድ ዘሎ ኢልኩም እስከ ሕተቱ:: መንእሰይ ኣክሱም'ኮ ኣብ መቀለ እዩ ዘሎ:: ወዲ ዓዲሓ'ኮ ኣብ ላጪ እዩ ዘሎ:: ኣነ ብዉልቀይ ዝፈልጦ ኣብ ግምባር ዘሎ ተጋዳላይ ምንኣስ ሓው ኣምፅኢዮ ኢሎም ንወላዲቱ ኣሲሮማ እዮም ኣብ ተምቤን:: ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን እዚ ነገር:: ኩሉ እቲ ህዝቢ, መብዛሕቲኡ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ተጋዳላይ በዚ ተግባር እዚ ሓሚሙ እዩ ዘሎ, የዕጎምግም እዩ ዘሎ::

ንምንታይ እዩ ናብ ከምዚታት ዝእተዉ ዘሎ? እንታይ ዝገበረት ኣዶ እያ ዝትእሰር? ኩሉ ነገራ ንዓዳ ሂባስ ሕጂ ድማ ናብ ማእሰርቲ ክትዳጎን:: ደቂ 70ን 80ን ዕድሚኢም ኣቦታት ኣሲርካ'ኸ መፍትሒ ድዩ ክኸዉን? እንታይ እዩ ዝፍጠር ዘሎ ኢልኩም እስከ ገምግምዎ:: ኩሉ እቲ መንእሰይ ኣብ ሓፂር ግዜ እቲ ስርዓት ብምሕማቁ ብዓዱ ተስፋ ይቆርፅ እዩ ዘሎ:: ኩሉ ካብ ዓዲ ንኽወፅእ ቾኪሉ እዩ ዘሎ::

መቀለ ክንኣትዉ እንተለና ሆ ኢሉ ዝተቀበለና ህዝቢ ኣብ ሓፂር ግዜ እንዳስኣንናዮ ኢና ዘለና:: በቲ ስርዓት ኩሉ እንዳተማረረ እዩ ዘሎ:: ዕድለኛታት ኢኹም እንደዉም:: ዲሲፕሊን ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ ናብ ናዕቢ ኮነ ናብ ካልኦት ነገራት ኣይከደን እስካብ ሕጂ:: ከምቲ ፀላእትና ዝደልይዎ ነቶም መራሕቲ እሕሊፉ ኣይህብን እዩ እቲ ህዝብና:: ናትና እዮም ኢሉ ምስኩሉ ሕመቆም ተሸኪምዎም እዩ ዘሎ:: ኣቡኡን ኣዲኡን ዝትኣስረሉ እንተኾይንካ ግን እቲ privilege ክትስእኖ ኢኻ:: ዉድቀትካ ተፋጥኖ ኢኻ ዘለኻ ብዓልካ:: እቲ ኣመራርሓ ግን ይቀብጥ እዩ ዘሎ:: እዚ ኹላ ጌጋታት ሰሪሑ እንዳሃለወስ እቲ ወለዲ ናይ ምእሳር ሞራል ካበይ ከምዘምፅኦ ኣነ ክሓስቦ እንተለኹ ይገርመኒ እዩ:: ክርድአኒ ኣይክኣለን::

*እቲ ዘሎ ሕመቅ ግን ወለዲ ኣብ ምእሳር ጥራይ ዝተገደበ ኣይኮነን:: ጨቆንቲን ዓፈንቲን ዝኾኑ ሕጊታት(Draconian laws) እንዳወፅኡ እዮም ዘለው ኣብ ትግራይ:: እቲ ኣመራርሓ "ኣይግዚኡን" ዝብሃል ዘረባ ብሕጊ መልክዕ ኣዉፂኡ እንተሓቲትካ ናብ ማእሰርቲ ዝትሽንደወሉ ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ኣብ ትግራይ:: ንኣመራርሓ ዝፀረፈ, ዘፀለመ, ዝነቀፈ ናብ ማእሰርቲ ዝዳጎነሉ ሕጊ ወፂእልኩም ኣሎ ተጋሩ:: ደብረፅዮን ኣይክኣሎን, መድሓኒት ይስረቅ ኣሎ ገለ ዝብሉ ዘረባታት እንተተዛሪብካ ኣመራርሓ ብምፅላም ወይ ክዓ መኸተ ብምትዕንቃፍ ገበን ትኽሰስ ኢኻ ኣብ ትግራይ ሎሚ:: ማእሰርቱ ድማ ቀሊል ዝብሃል ኣይኮነን:: ዓመታት እዩ:: እዚ ሕጊ ናብ ወረዳታት እንትወርድ ዉፅኢቱ ከመይ ከምዝኾን ክርድአና ይግባእ:: ኣመራርሓ ብጎኒ ዓይንኻ ርኢኻዩ ነይርካ ተባሂልካ ክትክሰስን ክትእሰርን ከምዝትኽእል ምንም ጥርጥር የብለይን:: እንታይ ዓይነት ናይ ፀጥታ ኣካል ከምዘለና ኩላትኩም ትፈልጡ ኢኹም::

ትግራይ ከም እስራኤል ክንሃንፃ እንዳበልና ትግራይ ግን ኤርትራ እያ ዝትኸዉን ዘላ:: ኣመራርሓ ነቂፍካ ኢሉ ዝኣስር ስርዓት ሒዝካ ምንም ንቅድሚት ፍሒት ክትብል ኣይትክእልን:: ኣብዚ ሕጂ ስዓት ነቲ ሕማቅ ዝሰርሕ ዘሎ ኣመራርሓ እንድሕር ዘይነቂፍካዮ ድኣ ምዓዝ ኢኻ ክትነቅፎ? ነቲ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ዦንግ ኡን ንሙኻን ዝፅዓር ዘሎ እዩ ዝመስል:: Supreme Leader በሉኒ እዩ ዝብሃል ዘሎ ኣብ ትግራይ:: መሰሉ ዝሓትት ዜጋ ክንዲምፍጣር ተተዛሪብካ ክኣስረካ እየ ኢሉ ፈራሕ ወለዶ ንምፍጣር ዝስራሕ ዘሎ እዩ ዝመስል:: ጥይት ዘይፈርሐ ሓሳብ ንክፈርሕ እዩ ዝፅዓር ዘሎ::
6.3K views14:19
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-19 17:19:10
ክሳብ መወዳእታ ኣንብብዎ።
ብ Mezeker A. Zemo ዝተፀሓፈ
4.7K viewsedited  14:19
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-18 18:30:28
ብሰለስተ ተሽከርከርቲ ተፃዒኖም ካብ ሞንጎ ዝተወሰዱ 55 ተጋሩ ተረሺኖም እዮም _ምስክር ዓይኒ

መቐለ፡10 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም(ድወት) ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘይፈፀምዎ ግፍዒ፣ ዘይጓሓልዎን ዘይዕነውዎ ንብረት የለን።

እዞም ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ናብ ዓዲ ጎሹ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፣ ልዕሊ 55 ንፁሃን ዜጋታት ከምዝቐተሉ ካብቲ ቦታ ዝተመዛበለ ምስክር ዓይኒ ተዛሪቡ።

ፋኖ ናብ ዓዲ ጎሹ ምስኣተዉ ብበትሪ፣ብፋስ፣ብካራን ጥይትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጨፍጫፍ እዮም ጀሚሮም ዝበለ እዚ ምስክር ዓይኒ ፣ነቲ ብኣልማሚት ዝፍፅምዎ ዝነበሩ ጨፍጫፍ ከምምክንያት ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሓሳብ "ንስኻትኩም ጁንታ ኢኹም "ዝብል ከምዝነበረ እዉን ተዛሪቡ።

ፋኖ ብሰለስተ ተሽከርከርቲ ዝተፀዓኑ ነበርቲ ዓዲ ጎሹ ፅዒኑ ናብ ተከዘ ብምዉሳድ ረሺኖምዎም ዝበለ እዚ ግዳይ ፣ካብቲ መርሸንቲ ዝተረፉ እዉን እንተኾነ መረበቶም ሓዲጎም ክወፁ ኸምዝተነገሮም ይገልፅ።

ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ጆኖሳይድ ዕላምኡ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ንምፅራይ፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ እዩ ዝበለ እዚ ምስክር ዓይኒ፣ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ሰባት ብጅምላ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ጭቡጥ መርትዖ ከምዝኮነ ገሊፁ።

#ሙሉብርሃን_ግደይ
4.8K views15:30
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-17 22:22:00
❝ህዝብና ብዝህበና መስርዕ ንኸይድ ፤ ብሰላም ዝፍታሕ ብሰላም ይፍታሕ ፣ ብሕጊ ዝፍታሕ ብሕጊ ይፍታሕ ፣ ብሓይሊ ዝፍታሕ ኸዓ ብሓይሊ ይፍታሕ።

.... እዚኣ ተዘይጌርና ተጋሩ ኸዓ ተጋሩ ኣይኮንናን።❞

ጀ. ምግበ ሃይለ

Video -

4.6K views19:22
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-16 23:00:14
ውሳነ ውናት!
========

ውናት ሓዱሽ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስዎችን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ኣመልኪቶም ዘውፅእዎ ሰነድ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ : ኣብቲ ዘውፅእዎ መፅናዕቲ ክእርምዎ ዝግባእ ሓደገኛ ነጥብታት ከምዘሎ ውናት ገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ በዓል 207 ገፅ ናይ ክልቲኦም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ፀብፃብ ፣ ሰለስተ ዝተጋገየ መረዳእታን ኣገላልፃን ከምዝተቐመጠ ውናት ገሊፁ።

1) ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ክንዲ ዝክኣል ተገሊፁ እናሃለወ ፣ ‘ጄኖሳይድ’ ኢሉ ብሽሙ ክፅውዖ ዘይምክኣሉ እቲ ፀብፃብ ሙሉእ ኣይገብሮን።እቲ መፅናዕቲ ነቲ ፍፃመ ክሳብ ሐዚ ጄኖሳይድ ኢሉ ንምፅዋዕ ኣይወሰነን።

2) እቲ ፀብፃብ ንምዕራብ ትግራይ ‘ብኢህወዴግ ዝተኻለለ መከራኸሪ ቦታ’ ክብል እዩ ገሊፅዎ። እዚ ድማ ዝተጋገየን ብኣግኡ ክእረም ዝግብኦን ነጥቢ እዩ።

3) ኣምነስቲ ይኩን ሂዩማን ራይትስዎች ነቶም ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት ካብቲ ከባቢ ይውፅኡ ኣብ ክንዲ ኢሉ ዝነቅፍን ርኢቶ ዘዕርፍን ፣ ‘ዓቃቢ ሰላም ክኣቱ ይግባእ’ ኢሉ ዘቅረቦ ሓሳብ ኣግባብነት የብሉን። ክብል ውናት ቅዋሙ ገሊፁ ኣሎ።

መንግስቲ ትግራይ ይኹን ካልኦት ንጉዳይ ትግራይ ይምልከተና ዝብሉ ኣካላት ድማ ነዚ ብልዑል ትኹረት ክርእይዎን ፣ ኣብቲ ፀብፃብ ዝተቐመጡ ዝተጋገዩ መረዳእታታት ክእረሙን ውናት ፀዊዑ ኣሎ።

ብጣዕሚ ፅቡቃት ምልከታታት! | ነመስግን ውናት።
4.7K views20:00
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-15 20:34:19
ተስፋ
====

ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ [ከባቢ ውቕሮን ኣጉላዕን] ዘሎ ብመስኖ ዝለምዐ ኣዝመራ እዩ። [ንዓዲ ይበሎ]!

ጣፍ ፣ ሸዊት
4.5K views17:34
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-14 17:35:03
ሕዚ እውን ንኸይንዕሾ ንጠንቀቕ

ህፃንያስ ብ ጥጦ ይዕሾ ይበሃል ፤ እሞ እዚ ብወታደራዊ ሓይሊ ዝሰዓርናዮ መሽረፈት ቁሩብ (ካፍቲ ዝተሓሰበ) ረድኤት ናብ ትግራይ እንዳእተወ እቲ ዝደልዮ ይፍፅም ኣሎ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከካብ ዝሓዝዎ ስትራቴጂክ ቦታታት ሓደ ብሓደ ንኽወፁ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዕፅዋ ረድኤትን ጥባረ ዓለምለኸ ፀቕጥን ጌሩ እዩ ዝወስዶ ዘሎ።

ኸምዝፍለጥ ትማሊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ትማሊ ካብ ዓፋር ተቖፃፂሮሞ ዝነበሩ ስትራቴጂካዊ ኢሬፕቲ ካብ ትበሃል ቦታ ምውፅኦም ተከቲሉ ጥባረ ረድኤት ምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ዕፅዋ ዘሎ ህዝብና ካፍቲ ዘለዎ ሽግር ዝንዓቕ ረድኤት እኳ እንተዘይሃለው ፤ ብኸምዚ ዝዓይነቱ ርፍራፈ እንዳደርበኻ carrot and stick ዝዓይነቱ ፅዕዋን ፍቓድን ግን ፈፂሙ ክኽልከል ዘለዎ እዩ። ሓይልታት ትግራይ እውን እንተኾኑ እቲ መፍትሒ ዕፅዋ ፈንፂሕና ንምውፃእ ኾነ ፀቕጢ ስምምዕ ንትግራይ ዝጠቅም ንምግባር ቅልፅምናን ስረናን ምዃኑ ተፈሊጡ ኽስርሐሉ ይግባእ በሃሊ እየ።

ሓሳብኩም ኣብ ኮሜንት ሃቡና....!

#ንሮሻ_ትግራይ

______________________________________
❝ #Digital_Woyane - #ድጅታል_ወያነ ❞

WhatsApp (Contact us)፦
https://wa.me/message/JHTAKQYQOIVJA1
Website ፦
https://linktr.ee/DigitalWoyane
4.7K views14:35
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-04-13 22:55:25
ዘይልወ ሓፂን

ኤርትራ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከሲሳቶ ኣላ። [ቁሩብ እስከ ሰሓቑ]

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ከቢድ ፀገም ኣሎ። ኢሉ ምግላፁ ስዒቡ ፣ ኣብ ዘይወዓልኩዎ ሽመይ ተላዒሉ ክትብል ከሲሳ ኣላ። [ደጊምኩም እስከ ሰሓቑ]

‘ቁጠባዊ ምድልዳላት ኢትዮጵያ ናብ ኤሪትራ መሊስናዮ ኣሎና’ ኢሎም ከምዘይነገሩና ሲ ፣ ወረርቲ ተባሂልና ኢሎም ሻቕሎት።

ዘይልወ ሓፂን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ድማ ኣብ መድረኽ ዓለም ብግልፂ ሓደ ኸቢድ ዘረባ ኣድሚዑ ኣሎ።

“ዓለም ንኹሎም ደቂ ሰባት ፀገማቶም ብማዕረ ክትፈትሕ ኣይተርኣየትን።” ኢሉ ኣሎ።

በዓል ሕልና ኹልግዘ ኣብ ሕልንኡ ዘሎ እዩ ዝገብር!

#ክብሮም_ሙሉጌታ
4.2K views19:55
ክፈት / አስተያየት ይስጡ