Get Mystery Box with random crypto!

ደፊርካ, ዝመፅአ ይምፃእ ኣብ ዓዲ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ምፅሓፍ, ምዝራብ ትጅምር'ሞ ኩሉ ናባኻ እንዳ | Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

ደፊርካ, ዝመፅአ ይምፃእ ኣብ ዓዲ ዘጋጥም ዘሎ ነገር ምፅሓፍ, ምዝራብ ትጅምር'ሞ ኩሉ ናባኻ እንዳመፅአ ሓበሬታ የቀብለካ:: ናይ እማን እዚ ነገር ኣብ ትግራይ ድዩ ዘጋጥም ዘሎ ኢልካ ምሕታት ትጅምር'ሞ ከየፃረኹ ኣይፅሕፍን, ኣይዛረብን ትብል:: ናብቲ ሓበሬታ ዝተቀበልካሉ ቦታ ትኸይድ'ሞ ካብቲ ዝተብሃልካዮ ንላዕሊ እቲ ፀገም ኸሪሩ ትረኽቦ:: ንምንታይ እዩ ከምዚ ዝኾን ዘሎ ኢልካ ምሕታት ምስጀመርካ ኩሉ ናይቲ ፀገም መበቆሊኡ ኣበይ ከምዝኾነ ይርድአካ:: እንታይ እንዳበልኩ ከምዝኾነ ከረድአኩም::

ነበርቲ ከተማ ዓድዋ ብባጃጅ ምንቅስቃስ ካብ ዝገድፍዎ ግዜያት ኣቁፂሮም ኣለው:: ባጃጅ ቤንዚን ስለዝኾነት, ቤንዚን'ዉን ስለዘየለ ሰባት ከም በጊዕ ብድሕሪ ማሂንድራ ተፃዒኖም እዮም ዝኸዱ:: ምንም ምቾት ዘይብሉ ጉዕዞ ዋላ እንተኾነ ካብ ነጥቢ 1 ናብ ነጥቢ 2 ስለዝትወስደካ ሰባት ኣብ ሓንቲ ማሂንድራ 10-15 ሰባት ብድሕሪት ተፃዒኖም እዮም ዝኸዱ::

ሓደ ምዓልቲ ግን እቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዘሎ ኣመራርሓ "እተን ማሂንድራስ ከመይ ገይረን እየን ዝንቀሳቀሳ ዘለዋ? ነዳዲ ይሰርቁና ኣለው ማለት እዩ" ኢሎም ናብ ሓደ ዉሳነ ይበፅሑ:: 87 ማሂንድራታት ዘለውዋ ከተማ ዓድዋ እቶም ኣመራርሓ ብሽም ነዳዲ ይሰርቁና ኣለው ምስ 87 መናእሰየን ናብ ማእሰርቲ ይዳጉንዎም:: ነቶም መናእሰይ ምስኣሰርዎም ድማ "ነዳዲ ትሰርቁና ኣለኹም" ገለ ኢሎም ከፋጥጥዎምን ከፈራርሕዎምን ምስሞከሩ እቶም መናእሰይ ድማ "ሓንቲ ዝሰረቅናያ ሊትሮ ነዳዲ የላን:: ብዓልኩም ኢኹም ዝትሸጡልና ዘለኹም:: እንተደሊኹም ኣብዚኣ ተር በሉ, መን ከምዝሸጠልና ዘሎ ክንሕብረልኩም" ይብልዎም:: ቀፂሉ ዝተፈጠረ ነገር ግን ብጣዕሚ እዩ ዝገርመኩም:: ምንም ከምዘይተፈጠረ ነቶም መናእሰይ እቶም ኣመራርሓ ፈቲሖሞም:: እቲ ጉሕለት ኣብ ብዓልቶም ከምዝኮነ ምስፈለጡ ምንም ከምዘይተፈጠረ ፈቲሖሞም::

ኣነ ሕቶታት ኣለኒ እዩ ንዶክተር ደብረፅዮን::

ንምንታይ እዩ ኣብ ትግራይ ትርጉም ዘይህቡ ማእሰርቲታት ተበራኺቶም ዘለው? ንምንታይ እዩ እቲ ካድረ ሓይሊ ክንድዚ ክፀግብ ዝተፈቀደሉ?

*ሓፈሳ ዝብሃል ፖሊሲ የብሉን እዩ TDF:: እቲ መንእሰይ ናብተን ህዝባዊ ኣኼባታት ክኸይድ ግዴታ ዋላ እንተሃለዎ እታ ናይ መጨረሽታ ዉሳነ ግን ኣብቲ መንእሰይ እያ ዝትዓርፍ:: እስካብ ቀረባ ግዜ እቲ ካድረ ኣብተን ኣኼባታት ብሓሳብ እዩ ዘእምን ነይሩ, ሕጂ ግን ኣብ ብርክት ዝበሉ ኸባቢታት ናብ ካልእ ነገር ተሰጋጊሩ እዩ ዝርከብ:: እቲ ናይ ካድረ ሓይሊ ናብ ሓፈሳ እዩ ኣትዩ ዘሎ, ናብ ወለዲ ምእሳር እዩ ኣትዩ ዘሎ:: ናብ ማሰልጠኛታት ኣቅኒዐ ዝተሓፈሱ መናእሰይ ንምልስ ኢና ዘለና ኢሎምኒ እዮም:: ንምንታይ ድኣ እዩ ናብ ሓፈሳ ዝእተዉ ዘሎ ኢለ ምስሓተትኩ እቲ ፀገም ኣበይ ከምዘሎ ይርድአካ::

እቲ ናይ ሰራዊት ምልመላ ስራሕ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝምራሕ እንትኸዉን እሶም ድማ ነቲ ካድረ ኮታ ኣዉፂኦም ሂቦሞ እዮም:: መቀለ ዘለኻ ካድረ ክንድዚ ኣጋድል, ዉቅሮ ዘለኻ ካድረ ክንድዚ ኣጋድል ተባሂሉ ኮታ ተዓዲልዎ እዩ:: ድሕሪ ምምላስ እቲ ፖለቲካ ስለዝተበላሸወ እቲ ካድረ ተዛሪቡ ከእምን ስለዘይክኣለ ድማ ናብ ሓይሊ እዩ ተሰጋጊሩ ዘሎ:: ብግዲ ምሕፋስ, ወለዲ ምእሳር እዩ ጀሚሩ ዘሎ:: ኮትኡ ንኽመልእ ኢሉ ኣዶታት ናብ ምእሳር እዩ ኣትዩ ዘሎ እቲ ካድረ:: ሕማቅ እንትሰርሕ ዝዛረቦን ዝቆፃፀሮን ኣካል ስለዘየለ ድማ ኣብ ዝተወሰና ኸባቢታት ዝነበረ ሕምቀት ናብ ብርክት ዝበሉ ኸባቢታት እቲ ፀገም ተስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ::

ኪድ እስከ ኵሓ, 82 ወለዲ ብሓንቲ ትእዛዝ ዝተኣሰሩሉ:: ኪድ እስከ 07 ቀበሌ, ዓዲሽንድሑን ኣብ መቀለ:: ኪድ እስከ ኣክሱም, ሽረ, ተምቤን:: መንእሰይ ኣላማጣ ንምንታይ እዩ ናብ ቆቦ ዝስደድ ዘሎ ኢልኩም እስከ ሕተቱ:: መንእሰይ ኣክሱም'ኮ ኣብ መቀለ እዩ ዘሎ:: ወዲ ዓዲሓ'ኮ ኣብ ላጪ እዩ ዘሎ:: ኣነ ብዉልቀይ ዝፈልጦ ኣብ ግምባር ዘሎ ተጋዳላይ ምንኣስ ሓው ኣምፅኢዮ ኢሎም ንወላዲቱ ኣሲሮማ እዮም ኣብ ተምቤን:: ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን እዚ ነገር:: ኩሉ እቲ ህዝቢ, መብዛሕቲኡ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ተጋዳላይ በዚ ተግባር እዚ ሓሚሙ እዩ ዘሎ, የዕጎምግም እዩ ዘሎ::

ንምንታይ እዩ ናብ ከምዚታት ዝእተዉ ዘሎ? እንታይ ዝገበረት ኣዶ እያ ዝትእሰር? ኩሉ ነገራ ንዓዳ ሂባስ ሕጂ ድማ ናብ ማእሰርቲ ክትዳጎን:: ደቂ 70ን 80ን ዕድሚኢም ኣቦታት ኣሲርካ'ኸ መፍትሒ ድዩ ክኸዉን? እንታይ እዩ ዝፍጠር ዘሎ ኢልኩም እስከ ገምግምዎ:: ኩሉ እቲ መንእሰይ ኣብ ሓፂር ግዜ እቲ ስርዓት ብምሕማቁ ብዓዱ ተስፋ ይቆርፅ እዩ ዘሎ:: ኩሉ ካብ ዓዲ ንኽወፅእ ቾኪሉ እዩ ዘሎ::

መቀለ ክንኣትዉ እንተለና ሆ ኢሉ ዝተቀበለና ህዝቢ ኣብ ሓፂር ግዜ እንዳስኣንናዮ ኢና ዘለና:: በቲ ስርዓት ኩሉ እንዳተማረረ እዩ ዘሎ:: ዕድለኛታት ኢኹም እንደዉም:: ዲሲፕሊን ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ ናብ ናዕቢ ኮነ ናብ ካልኦት ነገራት ኣይከደን እስካብ ሕጂ:: ከምቲ ፀላእትና ዝደልይዎ ነቶም መራሕቲ እሕሊፉ ኣይህብን እዩ እቲ ህዝብና:: ናትና እዮም ኢሉ ምስኩሉ ሕመቆም ተሸኪምዎም እዩ ዘሎ:: ኣቡኡን ኣዲኡን ዝትኣስረሉ እንተኾይንካ ግን እቲ privilege ክትስእኖ ኢኻ:: ዉድቀትካ ተፋጥኖ ኢኻ ዘለኻ ብዓልካ:: እቲ ኣመራርሓ ግን ይቀብጥ እዩ ዘሎ:: እዚ ኹላ ጌጋታት ሰሪሑ እንዳሃለወስ እቲ ወለዲ ናይ ምእሳር ሞራል ካበይ ከምዘምፅኦ ኣነ ክሓስቦ እንተለኹ ይገርመኒ እዩ:: ክርድአኒ ኣይክኣለን::

*እቲ ዘሎ ሕመቅ ግን ወለዲ ኣብ ምእሳር ጥራይ ዝተገደበ ኣይኮነን:: ጨቆንቲን ዓፈንቲን ዝኾኑ ሕጊታት(Draconian laws) እንዳወፅኡ እዮም ዘለው ኣብ ትግራይ:: እቲ ኣመራርሓ "ኣይግዚኡን" ዝብሃል ዘረባ ብሕጊ መልክዕ ኣዉፂኡ እንተሓቲትካ ናብ ማእሰርቲ ዝትሽንደወሉ ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ኣብ ትግራይ:: ንኣመራርሓ ዝፀረፈ, ዘፀለመ, ዝነቀፈ ናብ ማእሰርቲ ዝዳጎነሉ ሕጊ ወፂእልኩም ኣሎ ተጋሩ:: ደብረፅዮን ኣይክኣሎን, መድሓኒት ይስረቅ ኣሎ ገለ ዝብሉ ዘረባታት እንተተዛሪብካ ኣመራርሓ ብምፅላም ወይ ክዓ መኸተ ብምትዕንቃፍ ገበን ትኽሰስ ኢኻ ኣብ ትግራይ ሎሚ:: ማእሰርቱ ድማ ቀሊል ዝብሃል ኣይኮነን:: ዓመታት እዩ:: እዚ ሕጊ ናብ ወረዳታት እንትወርድ ዉፅኢቱ ከመይ ከምዝኾን ክርድአና ይግባእ:: ኣመራርሓ ብጎኒ ዓይንኻ ርኢኻዩ ነይርካ ተባሂልካ ክትክሰስን ክትእሰርን ከምዝትኽእል ምንም ጥርጥር የብለይን:: እንታይ ዓይነት ናይ ፀጥታ ኣካል ከምዘለና ኩላትኩም ትፈልጡ ኢኹም::

ትግራይ ከም እስራኤል ክንሃንፃ እንዳበልና ትግራይ ግን ኤርትራ እያ ዝትኸዉን ዘላ:: ኣመራርሓ ነቂፍካ ኢሉ ዝኣስር ስርዓት ሒዝካ ምንም ንቅድሚት ፍሒት ክትብል ኣይትክእልን:: ኣብዚ ሕጂ ስዓት ነቲ ሕማቅ ዝሰርሕ ዘሎ ኣመራርሓ እንድሕር ዘይነቂፍካዮ ድኣ ምዓዝ ኢኻ ክትነቅፎ? ነቲ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ዦንግ ኡን ንሙኻን ዝፅዓር ዘሎ እዩ ዝመስል:: Supreme Leader በሉኒ እዩ ዝብሃል ዘሎ ኣብ ትግራይ:: መሰሉ ዝሓትት ዜጋ ክንዲምፍጣር ተተዛሪብካ ክኣስረካ እየ ኢሉ ፈራሕ ወለዶ ንምፍጣር ዝስራሕ ዘሎ እዩ ዝመስል:: ጥይት ዘይፈርሐ ሓሳብ ንክፈርሕ እዩ ዝፅዓር ዘሎ::