Get Mystery Box with random crypto!

ሕዚ እውን ንኸይንዕሾ ንጠንቀቕ ህፃንያስ ብ ጥጦ ይዕሾ ይበሃል ፤ እሞ እዚ ብወታደራዊ ሓይሊ | Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

ሕዚ እውን ንኸይንዕሾ ንጠንቀቕ

ህፃንያስ ብ ጥጦ ይዕሾ ይበሃል ፤ እሞ እዚ ብወታደራዊ ሓይሊ ዝሰዓርናዮ መሽረፈት ቁሩብ (ካፍቲ ዝተሓሰበ) ረድኤት ናብ ትግራይ እንዳእተወ እቲ ዝደልዮ ይፍፅም ኣሎ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከካብ ዝሓዝዎ ስትራቴጂክ ቦታታት ሓደ ብሓደ ንኽወፁ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዕፅዋ ረድኤትን ጥባረ ዓለምለኸ ፀቕጥን ጌሩ እዩ ዝወስዶ ዘሎ።

ኸምዝፍለጥ ትማሊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ትማሊ ካብ ዓፋር ተቖፃፂሮሞ ዝነበሩ ስትራቴጂካዊ ኢሬፕቲ ካብ ትበሃል ቦታ ምውፅኦም ተከቲሉ ጥባረ ረድኤት ምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ዕፅዋ ዘሎ ህዝብና ካፍቲ ዘለዎ ሽግር ዝንዓቕ ረድኤት እኳ እንተዘይሃለው ፤ ብኸምዚ ዝዓይነቱ ርፍራፈ እንዳደርበኻ carrot and stick ዝዓይነቱ ፅዕዋን ፍቓድን ግን ፈፂሙ ክኽልከል ዘለዎ እዩ። ሓይልታት ትግራይ እውን እንተኾኑ እቲ መፍትሒ ዕፅዋ ፈንፂሕና ንምውፃእ ኾነ ፀቕጢ ስምምዕ ንትግራይ ዝጠቅም ንምግባር ቅልፅምናን ስረናን ምዃኑ ተፈሊጡ ኽስርሐሉ ይግባእ በሃሊ እየ።

ሓሳብኩም ኣብ ኮሜንት ሃቡና....!

#ንሮሻ_ትግራይ

______________________________________
❝ #Digital_Woyane - #ድጅታል_ወያነ ❞

WhatsApp (Contact us)፦
https://wa.me/message/JHTAKQYQOIVJA1
Website ፦
https://linktr.ee/DigitalWoyane