Get Mystery Box with random crypto!

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ፡ በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ፡ መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ። መዋእል ነኺ | AfandishaHarar 🇪🇷🇪🇹🇯🇴🇸🇩🇪🇭🇸🇴

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ፡
በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ፡
መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ።

መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ፡
ትእምርቲ ጽንዓት ኰይኑ ስማ፡
ኤርትራ'ዛ ሓበን ዉጹዓት፡
ኣመስኪራ ሓቂ ክምትዕወት።

ኤርትራ ኤርትራ፡
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።

ናጽነት ዘምጸኣ ልዑል ኒሕ፡
ንህንጻ ንልምዓት ክንሰርሕ፡
ስልጣነ ከነልብሳ ግርማ፡
ሕድሪ'ለና ግምጃ ክንስልማ።

ኤርትራ ኤርትራ፡
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።