Get Mystery Box with random crypto!

ኣብ 2021 ዋንጫ ኣውሮፓ ፓርቹጋል ምስ ሰርቢያ እንትጋጠሙ ፖርቹጋላዊ #ክርስቲያኖ_ሮናልዶ ኣብ ል | ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

ኣብ 2021 ዋንጫ ኣውሮፓ ፓርቹጋል ምስ ሰርቢያ እንትጋጠሙ ፖርቹጋላዊ #ክርስቲያኖ_ሮናልዶ ኣብ ልዕሊ ሰርቢያ ዘቁጸራ ሽቶ ካብ መስመር ሓሊፋ እኳ እንተነበረት በቲ ዕለት ዳኛ ከይጸደቀት ዝተረፈትሉ ኣጋጣሚ ሮናልዶ ከመይ ከምዝተናደደ እቲ ግጥም ዝረኣኩም ትዝክሩ ትኾኑ ኢኹም።
እታ ናይ ሃምበልነት መለለዩ ጨርቂ (Captain badge) ካብ ኢዱ ኣውጺኡ ክሳብ ምድርባይ እዩ ተቆጢዑ ነይሩ። ድሕሪኡ እቲ ዝተደርበየት መለለዩ ጨርቂ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቐ ሰብ ኣተወት። ነታ ጨርቂ ናብ ጨረታ ቀሪባ ብ75 ሽሕ ዶላር ተሸጠት።
እቲ ገንዘብ ድማ ንሓንቲ ዝሓመመት ህጻን መሐከሚ ክውዕል ተገበረ። እታ ህጻን መጥባሕታዊ ሕክምና ተዘይትረክብ ኔራ ሂወታ ክሓልፍ ከምዝነበረ ድማ ተነጊሩ እዩ።
ኩሉጊዜ ዓቕምና ክሳብ ዝፈቕድ ንግበር ድሕሪኡ ግን ብዘይምፍላጥና ንገብሮምን ስዕረትናን ንካልኦት ጽቡቕ ዜና ዓወት ክኸውን ይኽእል እዩ።
Via: Book menu

ጩራ ወጋሕታ
Join us @tigrigna_literature