Get Mystery Box with random crypto!

ዘፍቕረኪ...... እቲ ናይ ብሓቂ ዘፍቅረኪ ወይ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ቅርበት ዘለዎ ምሳኺ እቲ ዝሓቑ | ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

ዘፍቕረኪ......

እቲ ናይ ብሓቂ ዘፍቅረኪ ወይ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ቅርበት ዘለዎ ምሳኺ እቲ ዝሓቑፈኪ፡ዝስዕመኪ፡ነዊሕ ዘዕልለኪ፡ቀጻሊ ሻሂ ዘስትየኪ፡ትደልዮ ዝገብረልኪ፡ጽባቐኺ ዘድንቕ፡መዓልታዊ መብጽዕኡ ዘሕድሰልኪ ወዘተ ኣይኮነን...

ናይ ብሓቂ ዘፍቅረኪ ወይ ጽቡቕ ቅርበት ዘለዎ ምሳኺ እቲ ክትፈርሒ ከለኺ ዘተባባዓኪ፡ሕልምኺ ንኽሰምር መሳልል ዝኾነኪ፡መንፈሳውነትኪ፡ልቦናኺ፡ፍልጠትኪ፡ርእሰ ምትእምማንኪ ንኽዓቢ ንኽትጽልዩ፡ብሓባር ንኸተንብቡ፡ጽሙዋ ንኽትመርጹ፡ጽቡቕ ምኽሪ ንኽትሰምዑ ዘተበባዓኪ ኢዩ፡፡

ካልእ ዘፍቅረኪ እቲ ኣብ ዝኾነ ዝከላኸለልክን ዝማጎተልክን ኣይኮነን፡፡ዘፍቅረኪ ወላ ጌጋ እናገበርኪ ዝከላኸለልክን ዝማጎተልክን ተኾይኑ እዚ ፍቕሪ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ሓቀኛ ኣፍቃሪኺ ንጌጋኽን ንሕማቕ ኣካይዳኽን ዝእርምን፡ዝግስጽን ምስ ዝኸውን'ዩ፡፡

*ዉሽጣዊ ንጽህንኡ እምበር ምሕቋፉ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ኣኽብሮቱን ምክንኻኑን እምበር ምስዓሙ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ሓቂ ዝመልኦ ቃላትን ሓሳብን ዝዛረበክን ዝህበክን እምበር...ክቡር ህያብ ገዚኡ ምሃቡ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ቀጻሊ ጽቡቕ ነገር ንምስራሕን ንምትግባርን ከምኡ ድማ ንዕብየትን ዝሕግዘኪ እምበር ቀጻሊ ሻሂ ምስታዩ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ...

*ብኣኽብሮቱ፡ብሓልዮቱ፡ብእሙኑነቱ ወትሩ ከጸብቐኪ ዝጽዕር እምበር ደጋዊ ጽባቐኺ ምድናቕን ምንኣድን መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ቃላቱ ክንደይ ዕምቆት ዘለዎ ልቦናን ብስለትን ሓዚሉ ንልብኺ ዝሰልብ ምስ ዝኸውን እምበር ነዊሕ ብምዕላሉ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*በተግባሩ መዓልታዊ መንነቱ ከርእየኪ ዝውዕል እምበር መዓልታዊ ማሕላ ምምሓሉን መብጽዓ ምእታውን መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

እቲ ምንታይ ፍቕሪ ኣብ ምኽንያት፡ልቦና፡መንፈሳውነት ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡ፍቕሪ ዝመስል ወይ ኣብ ፍቕሪ ዘመኽኒ ግና ከኣ ኣዝዩ ሃስዩ ብዙሕ ስለዘሎ፡፡

ሓቀኛ ፍቕሪ ንጽህና ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ፍቕርን ረብሓን ኣዝዩ ዓቢ ፍልልይ ስለዘሎ ፡፡ፍቕሪ ኩሉ ግዜ ክህብ ኢዩ ዝደሊ ረብሓ ግና ኩሉ ግዜ ክወስድ ኢዩ ዝደሊ፡፡

ረብሓ ኩሉ ግዜ ብንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ ዝተኸበ፡ንዓኻ ኣብ ኩርኳሕ ኣደቂሱ ንሱ ኣብ ልዕሌኻ ክድቅስ ቅሩብ ሕፍረት ናይ ዘይብሉ ሰብ'ዩ፡፡ሓቀኛ ፍቕሪ ግና እንተሓመቐ እኳ ብእሙኑነትን ግሉጹነትን ዝቐርበካ'ዩ፡፡እንተሓመቐ ክሕግዘካ እኳ ተዘይቀረበካ ክጥቀመልካ ግና ዘይቐርበካ'ዩ፡፡

ስለዚ ፍቕርኻ ይኹን ቅርርብካ ኣብ ምንታይ ዝተሞርኮሰ ኢዩ ዉሽጥኻን ሕልናኻን ምፍታሽ ከምኡ ድማ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝወሰድካ ከምኡ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣበይ ኢዩ ከብጽሓካ ምፍላጥ ወሳኒ ኢዩ፡፡

ሓደ የፍቅረኒ ኢዩ ትብልዮ እንተድኣ ንጽቡቕ ሽምኪ ዘበላሹ፡ንኽብሪ ንጽህናኺ ዝደፍር፡ናብ ሕማቕ ልምድታት ከም መስተ ሺሻ ናይት ክለብን ካልእን ንዕናይ ዝብለኪ፡ሃብኒ እምበር እንኪ ዘየብለኪ፡ቪድዮ ወሊዑ ጥራሕ ነብስኺ ክርእየኪ ዘይሓፍረኪ ወዘተ ተኾይኑ እዚ የፍቅረኪ ድዩ ወይስ የዕንወኪ ኢዩ ዘሎ፡፡

ዘፍቅረኪ ወዲ እንተድኣ ተስተውዕሊ ኮይንኪ ንምንታይ ኢዩ ዘተባባዓኪ ርኣዮ ንጽቡቕ'ዶ ወይስ ንሕማቕ፡፡ቅድሚ ኩሉ ብዛዕባ ፍርሃት እግዚኣቢሔር እንታይ ዓይነት ሓሳብን ኣረኣእያን ኣለዎ ምዘኒ፡፡ካልእ እንታይ ዓይነት ዘረባ እናተዛረበ ኢዩ ኣተሓሳስባኺ ዝሃንጽ ወይ ዘፍርስ ዘሎ ኣስተውዕሊ፡፡

ምስ ከም ምንባብ፡ጸሎት፡ቅንዕና፡እሙኑነት፡ኣኽብሮት፡ኣተሓሳስባ፡ተግባር፡ኣካይዳ እንታይ ዓይነት ቅርበት ኣለዎ ምዘኒ ወይ ብዛዕብኦም እንታይ ይሓስብ ተዓዘብን ርኣይን፡፡

"ሰባት ንኽልተ ነገር ኢዮም ዝቐርቡዃ ወይ ከዕንውኻ ወይ ክሃንጹዃ"

ብ"ፊሊ ወናኒ ሙቁር ቃንዛ'

Join us @Tigrigna_literature