Get Mystery Box with random crypto!

ናይ ባያፍራ ኩነታት ልክዕ ከምዛ ናትና ኢያ። እቲ ፌደራል መንግስቲ ቀጥታ ኩናት ምስኣወጀ ባያፍራ | TIGRAY TIMES

ናይ ባያፍራ ኩነታት ልክዕ ከምዛ ናትና ኢያ። እቲ ፌደራል መንግስቲ ቀጥታ ኩናት ምስኣወጀ ባያፍራ ኸቢቡ መውፅኢን መእተዊን እዩ ዓፅዩ። ብፍሉይ ድማ ናይ ባያፍራ ናይ ነዳዲ ከባቢ ፍሉይ ትኹረት ጠይሩ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ተቖፃፅሩ። ከምቲ ናይና ምዕራብ ትግራይ ገይርካ ምውሳድ ይክኣል።

ከምቲ TDF ልገበሮ ብልመስል መልክዕ ሓይሊታት ባያፍራ (ምብራቕ ናይጀራያ) ናብ ማእኸላይ ምዕራብ ናይጀሪያ ደፊኦም ሰፊሕ ቦታ ሕዞም ነይሮም፤ ዳሕራይ ብሓይሊ ክለቅቑ ተገዲዶም።

ድሕሪኡ መንግስቲ ናይጄሪያ ንባያፍራ መውፅኢን መእተውን ዓፅዩ ን30 ኣዋርሕ ህዝቢ ብርሓብ ንኽሃልቅ ኾነ ኢሉ ፕሮጀክት ቐሪፁ። ምንም ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ይኹን ሸቐጣት ንኸይኣቲ ገይሩዋ። ዋላ ዓለም ጫው ጫው ትበል ልቐየረቶ ሓንቲ መገር የላን።

ኣብ 30 ኣዋርሕ ብርሓብ ጥራሕ ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ህዝቢ ባያፍራ ሃልቁ። እዙይ ብኩናት ዝሞቱ ወታደራት ኣይሓውስን። ልዕሊ 100 ሺሕ ሰራዊት ብኩናት ተወዲኡ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ባያፍራ ኢዳ ንኽትህብ ተገዲዳ። ህልቂት ህዝባ ከይኣክልድሕሪ ስዕረታ ድማ ህዝቢ ባያፍራ ምስ ገንዘብ ተተሓሕዙ ብመንግስቲ ናይጄሪያ ብዝተወሰነ ውሳነ ኸቢድ ኢኮኖሚያዊ ማህሰይቲ ንኽበፅሖ ተገይሩ።

ዋላኳ መንግስቲ ናይጄሪያ Reconciliation, Rehabilitation and Reconstruction ልብሉ 'the 3 Rs' ዕላዊ ገይሩ ንባያፍራ ትኹረት ዝሃበ ንኽመስል ሰፊሕ ናይ ሚዲያ ፕሮፓጋንዳ እንተገበረ፤ ህዝቢ ባያፍራ ግን ድሕሪ እቲ ኩናት እውን ኸበድቲ ማህሰይቲ እዩ ኸፊሉ።

ድሕሪ 50 ዓመት ኣብ ባያፍራ ተግባራዊ ልተገበረ ስልቲ ሎሚ ኣባና ይፍፀም ኣሎ። 20 ኣዋርሕ እውን ገይርና ኣለና። ብዙሕ መስዋእቲ እውን ንኸፍለሉ ኣለና። እቲ ዕፅዋ ዝስበረሉ ይኹን ዘብቅዐሉ ኹነታት እውን ኣይርኣይን እዩ ዘሎ።

ከም ባያፍራዊያን ከምዘይንኸውን እንታይ እዩ ዋሕስና? እንታይ ዓይነት ስልቲኸ ኣለና ከምኡ ከይንኸውን?

ተስፋ ንኽንቖርፅ ከይኾነስ ዕድል ስለዘለና ካብ ስሕተታት ባያፍራ እንታይ ክንመሃር ከምእንኽእል ፖለቲከኛታትና ይኹኑ ምሁራን ሓዱሽ ስልቲ ንኽቕይሱ እዩ።

Noah Berhe

@TIGRAY_TIMES
@TIGRAY_TIMES