Get Mystery Box with random crypto!

#ዜና_ዝውውር #መቐለ_70_እንደርታ #ሚኪኤለ_ደስታ #ስሑል_ሽረ ሓለቓ ጋንታና #መቐለ_7 | Mekelle 70 Enderta FC © ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ

#ዜና_ዝውውር #መቐለ_70_እንደርታ
#ሚኪኤለ_ደስታ #ስሑል_ሽረ

ሓለቓ ጋንታና #መቐለ_70_እንደርታ #ሚኪኤለ_ደስታ ( #ሚኪ_ጣልያን ) ናብ ጋንታ #ስሑል_ሽረ ኣምሪሑ።

ናይ ኹዕሾ እግሪ ጉዕዙኡ ኣብ #መቐለ ጀሚሩ ናብ ዓዲ #ጣልያን ብምኻድ ኣብ ናይ መናእሰይ ጋንታ ፃንሒት ገይሩ ብድጋመ ናብ ከተማና #መቐለ ተመሊሱ ኣብ ጋንታ #ትራንስ_ኢትዮጵያ ናይ ኹዕሾ እግሪ ህይወቱ ዝጀመረ #ሚኪ_ጣልያን ል7ተ ዓመት ኣብ #ትራንስ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 2000E.C ናብ ጋንታ #ኢትዮጵያ_መድን ከምርሕ ኽኢሉ እዩ። ኣብ #መድን ናይ ሓደ ዓመት ፃንሒት ብምግባር ናብ ጋንታ #ቅዱስ_ግዮርጊስ ብምፅምባር ል2ተ ዓመታት ግልጋሎት ብምሃብ ናብ ጋንታ #መከላከያ ኸይዱ ክሳብ 2009E.C መወዳእታ ኽጫወት ኽኢሉ እዩ።

ናይ ማእኸል ተጫዋቲና #ሚኪ_ጣልያን ኣብ 2010E.C ጋንታና ናብ ፕርምየር ሊግ ኣብ ዝዓበየትሉ እዋን ልጋንታና ዝፈረመ እንትኾን ብሓለቓነት ልጋንታና ብምምራሕ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ጋንታና ፃንሒት ብምግባር ፅዋዕ #ፕርምየር_ሊግ_ኢትዮጵያ ኸልዕል ኽኢሉ እዩ።

#ሚኪ_ጣልያን ምስ ጋንታና #መቐለ_70_እንደርታ ዝነበሮ ውዕሊ ብምውዳእ ድሕሪ 3ተ ዓመት ምስ ጋንታና ዝነበሮ ስሙር ፃንሒት ልጋንታ #ስሑል_ሽረ ፌርምኡ ብምንባር ሎማዓንቲ ምስ ጋንታ #ስሑል_ሽረ ብምሕዋስ ልምምድ ኽጅምር ኽኢሉ እዩ።

#ሚኪ_ጣልያን ምስ ጋንታና ዝነበረካ ሰናይ ፃንሒት ካብ ልቢ ነመስግን #ጀግናና ... ምስ ቐፃሊ ጋንታኻ ርሑስ ናይ ስራሕ ዘመን ክኾነልኻ ንምነ

ሶከር ኢትዮጵያ

#Wash_your_hands
#Stay_at_Home
#Wear_Mask
.... #Keep_your_Distance ....

ልቐደም በሉታ
@mekelle @mekelle
ርኢቶ ሃቡና
@mekelle70endertafc_bot