Get Mystery Box with random crypto!

​#03 ሰነ 2012 ዓ.ም ---------------------- ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ስዓታት | ኢትዮጵ(ትግ)

​#03 ሰነ 2012 ዓ.ም

---------------------- ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ስዓታት 297 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረሎም እንትኾን 7 ሰባት ቫይረሰ ኮሮና ተረኺብዎ ኣሎ፡፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20-32 ዝርከቡ እዮም፡፡ እዞም ቫይረስ ዝተረኸቦም ወገናት 3 ኣብ ዓዲ ሓርሽን ኣራን ማዕስከር ስደተኛታት፣ 2 ኣብ ማይ ካድራ 1 ኣብ ሰቲት 1 ድማ ኣብ መቐለ መእተዊ በሪ ዓራፋይ እዮም፡፡ ካብዚኦም እቶም 5 ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኸቦም ርክብ ዝነበሮም ኮይኖም 1 ጉዕዞ ታሪኽ ዘለዎ እንትኾን 1 ግና ቫይረስ ኮሮና ርክብ ምስ ዘለዎም ርክብ ይኹን ጉዕዞ ታሪኽ ዘይብሉ እዩ፡፡፡ ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 4,480 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ ካብቶም ዝተመርሩ ሰባት 88 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ፡፡ ካብዚኦም 80 ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ ካብዚኦም ሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምርመራ ገይሩ ኣብ መቐለ መሐከሚ ማእኸል እንትኾን 12 ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ፡፡ ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ 8 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ወፂኦም እዮም፡፡ ካብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኩሉ ግዜ ብንቕሓት ንከላኸል! ================================== 
ኣብ ዝተፈቐዱ ዕለታዊ ምንቕስቓሳትና ልዕሊ 2 ሜትሮ ኣካላዊ ርሕቐትና ንሓሉ!  ኣብ ፍቑድ ዕለታዊ ምንቕስቓሳትና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንጠቐም  ኢድና ኣብ ወሰንቲ እዋናት ብማይን ሳሙናን ንተሓፀብ  ሰባት ናብ ዝበዝሕዎን ኣይንኺድ ብህፁፅ ኣዋጅ ዝተኣወጁ ነኽብር  ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እንተተሰሚዕዎም ናብ
6244 ይደውሉ