Get Mystery Box with random crypto!

​#Update #01 ሰነ 2012 ዓ.ም -------------------------------- ኣብ | ኢትዮጵ(ትግ)

​#Update
#01 ሰነ 2012 ዓ.ም
--------------------------------
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ስዓታት 207 ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ ዝተገበረሎም እንትኾን 7 ሰባት ቫይረሰ ኮሮና ተረኺብዎ ኣሎ፡፡ ካብዚኦም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ ሰለስተ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡ ካብ 25 ክሳብ 52 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ እዮም፡፡
ቫይረስ ዝተረኸቦም እቶም 5 ኣብ ሰቲት ሑሞራ እንትኾኑ ሰለስተ ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ቫይረስ ኮሮና ምስ ዘለዎም ርክብ ዝነበሮም እዮም፤ ክልተ ድማ ኣብ ሰቲት ሑሞራ ነባርቲ ዝኾኑ ፍሉጥ ዝኾነ ምስ ቫይረስ ዘለዎም ርክብ ዘይነበሮም ከምኡ እውን ጉዕዞ ታሪኽን ዘይብሎም እዮም፡፡
ሓንቲ ድማ ኣብ እንትጮ ዝተረኸበት ኮይና ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዝነበራ እያ፡፡ ሓደ ድማ ኣብ መቐለ መእተዊ በሪ ዓራፋይ ዝተመርመረ እዩ፡፡
ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 4,115 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ ካብቶም ዝተመርሩ ሰባት 79 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ፡፡ ካብዚኦም 71 ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ ካብዚኦም ሓደ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምርመራ ገይሩ ኣብ መቐለ መሐከሚ ማእኸል እንትኾን 12 ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ፡፡ ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ 8 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ወፂኦም እዮም፡፡
# ካብ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኩሉ ግዜ ብንቕሓት ንከላኸል!
=========================================
 ኣብ ዝተፈቐዱ ዕለታዊ ምንቕስቓሳትና ልዕሊ 2 ሜትሮ ኣካላዊ ርሕቐትና ንሓሉ!
 ኣብ ፍቑድ ዕለታዊ ምንቕስቓሳትና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንጠቐም
 ኢድና ኣብ ወሰንቲ እዋናት ብማይን ሳሙናን ንተሓፀብ
 ሰባት ናብ ዝበዝሕዎን ኣይንኺድ ብህፁፅ ኣዋጅ ዝተኣወጁ ነኽብር
 ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እንተተሰሚዕዎም ናብ 6244 ይደውሉ