Get Mystery Box with random crypto!

ብሰለስተ ተሽከርከርቲ ተፃዒኖም ካብ ሞንጎ ዝተወሰዱ 55 ተጋሩ ተረሺኖም እዮም _ምስክር ዓይኒ መ | Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

ብሰለስተ ተሽከርከርቲ ተፃዒኖም ካብ ሞንጎ ዝተወሰዱ 55 ተጋሩ ተረሺኖም እዮም _ምስክር ዓይኒ

መቐለ፡10 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም(ድወት) ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘይፈፀምዎ ግፍዒ፣ ዘይጓሓልዎን ዘይዕነውዎ ንብረት የለን።

እዞም ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ናብ ዓዲ ጎሹ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፣ ልዕሊ 55 ንፁሃን ዜጋታት ከምዝቐተሉ ካብቲ ቦታ ዝተመዛበለ ምስክር ዓይኒ ተዛሪቡ።

ፋኖ ናብ ዓዲ ጎሹ ምስኣተዉ ብበትሪ፣ብፋስ፣ብካራን ጥይትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጨፍጫፍ እዮም ጀሚሮም ዝበለ እዚ ምስክር ዓይኒ ፣ነቲ ብኣልማሚት ዝፍፅምዎ ዝነበሩ ጨፍጫፍ ከምምክንያት ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሓሳብ "ንስኻትኩም ጁንታ ኢኹም "ዝብል ከምዝነበረ እዉን ተዛሪቡ።

ፋኖ ብሰለስተ ተሽከርከርቲ ዝተፀዓኑ ነበርቲ ዓዲ ጎሹ ፅዒኑ ናብ ተከዘ ብምዉሳድ ረሺኖምዎም ዝበለ እዚ ግዳይ ፣ካብቲ መርሸንቲ ዝተረፉ እዉን እንተኾነ መረበቶም ሓዲጎም ክወፁ ኸምዝተነገሮም ይገልፅ።

ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ጆኖሳይድ ዕላምኡ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ንምፅራይ፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ እዩ ዝበለ እዚ ምስክር ዓይኒ፣ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ሰባት ብጅምላ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ጭቡጥ መርትዖ ከምዝኮነ ገሊፁ።

#ሙሉብርሃን_ግደይ