Get Mystery Box with random crypto!

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ====================== መንግስቲ ትግራይ ካብ 15 | Digital Woyane - ድጅታል ወያነ

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ
======================

መንግስቲ ትግራይ ካብ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱ ኣድለይ ዘበለ ኩሉ ገይሩ እዩ። ዓለም ለኸ ማሕብረሰብ እውን ነቲ ተግባር መንግስቲ ትግራይ ይከታተሎ ነይሩ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ዘተ ሰላም ንምስላጥ ብፍላይ ንሰብኣዊ ሓገዝ ብዘለዎ ኣድላይነትን ረብሓን 04 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዓፋር ተቖፃፂርዎ ካብ ዝነበረ ኢሬፕቲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቦታ ሓይልና ክለዓል ተገይሩ ኣሎ።
እዚ ውሳነ መንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ደዉ ምባል ተፃብኦ ተኸቢሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ክኣቱ ተወሳኺ ናይ ባዕሉ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝካኣሎ እናገበረ ምዃኑ ዘረጋገፅ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ተፈጢሩ ብዘሎ ምቹው ኩነታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ብዝድለ መጠን ዓይነትን ብዘይውዓል ሕደር ክኣቱ ይግባእ። እንተዘየለ መንግስቲ ትግራይ ብስም ጊዝያዊ ደዉ ምባል ተፃብኦ ክባን ዕፅዋን ክቕፅል ከምዘይፈቅድ የፍልጥ።

ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ክባን ዕፅዋን ክኽፈት፣ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ስራሕ ክጅምሩ ፀቕጢ ክገብር መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ።

ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ

4 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም
መቐለ