Get Mystery Box with random crypto!

መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ደብዳብ ዓይደር ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ጉንበት 28 1990 ዓ | CHANNEL 29

መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ደብዳብ ዓይደር

ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ጉንበት 28 1990 ዓ.ም ብነፈርቲ ውግእ ሻዕብያ ተደብዲቡ ህፃናት ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝሃለቑሉ ዕለት እዩ። ዓይደር እንትድብደብ ኣቦይ ምስ ብፆቱ ኣብ ቀረባ ርህቀት ኣብ ዝርከብ ቢሮ ኣብ ኣኼባ ኔሮም: ግዳያት እቲ ደብዳብ ንኽጥይቅን ንቶም ህፃናት ረድኤት ንክረክቡ ኣብቲ ቢሮ ዝነበሩ ኩሎም መኺናታት ኣከቲሉ ምስ ቡፆቱ ናብኡ ወፊሩ : ሃንደበት እታ ኻልአይቲ ነፋሪት ክትመፅእ እቶም ዘዋፈሮም መኪናታት ህፃናት እናመላለሱ እንተለው ኣቦይ ደው ኣብዝበለሉ ብታ ካልዓይ ነፋሪት ደብዳብ ኢዱ ተወቂዑ:: ግንቦት 28 1990 ዓ.ም ኣያይ ንካልዓይ ጊዜ ኣካሉ ዝገበረላ መዓልቲ እያ::

ዘልኣለማዊ ዝክርን ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና

Amanuel Abay