Get Mystery Box with random crypto!

ይነበብ ~~ ሓደ እዋን ኣብ ዚምባብዌ ጉጅለ ሰረቕቲ ገጾም ብማስኬራ(Mask ) ተሸፊኖም ባንኪ | ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

ይነበብ
~~
ሓደ እዋን ኣብ ዚምባብዌ ጉጅለ ሰረቕቲ ገጾም ብማስኬራ(Mask ) ተሸፊኖም ባንኪ ክሰርቑ እንትኣትዉ መራሒ እቶም ጎሓሉ ነቶም ሰራሕተኛታት "ሓደ ሰብ ከይንቐሳቐስ እዚ ገንዘብ ናይ ሃገር እዩ ነብስኩም ግን ናይ ውልቐኩም እያ" ብምባል የጠንቕቖም። ኣብቲ ባንኪ ዝነበረ ኩሉ ሰራሕተኛ ናብ መሬት ተደፍኡ።
እዚ "Mind Changing Concept" ይበሃል። ናይ ሰባት ኣእምሮ ዝሓስብሉ መንገዲ ክልወጥ ምግባር።

ኣብ ሞንጎኡ ሓንቲ ጎርዞ ብፍርሒ ፍሒትሒት ክትብል ዝረኣያ ሓደ ሰራቒ "በጃኪ ከም ዝተምሃረ ሰብ ሕሰቢ።ክንሰርቕ እምበር ጓል ክንዕምጽ ኣይመጻናን" ብምባል ብዓውታ ይነግራ።
እዚ ድማ "Being Professional" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዝሰልጠንካሉ ዛዕባ ጥራሕ ክፍጸም ምግባር።ካብዚ ወጻኢ ትኩረትካ ናብ ካልእ ምስ ዝሰሓብ ዕላማካ ምስሓት እዩ።

እቶም ሰረቕቲ ገንዘቦም ሒዞም ናብ ገዝኦም ምስተመለሱ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰን ማስትሬት ድግሪ ዘለዎን ሰራቒ ነቲ ብዕድመ ዝዓበየ ግን ከኣ ብትምህርቲ 6ይ ክፍሊ ዝበጽሐ መራሒኦም
"ክቡር መራሒና እቲ ዝሰረቕናዮ ገንዘብ ክንደይ ምኻኑ ንቁጸሮ" በሎ
እቲ ዓብዪ ሌባ "ዓሻ ዲኻ ። ብዙሕ ገንዘብ እኮ ኢና ሰሪቕና ክንደይ ኢልና ክንቆጽር። ነዚ ክንቆጽር መዓልቲታት እውን ኣይኣክለናን። ምሸት ኣብ ቴሌቭዥን ክንድዚ ገንዘብ ተሰሪቑ ተባሂሉ ብዜና ኣይክግለጽ እንዶ?" በሎ።
እዚ ከኣ "Experience" ንብሎ እዩ። ሎሚ ሎሚ ካብ ናይ ወረቐት ትምህርታዊ መረዳእታ ንላዕሊ ልምዲ ስራሕ ልዑል ቦታ ዝወሃበሉ ኣጋጣሚታት ኣለዉ።

እቶም ሰረቕቲ ካብቲ ባንኪ ምስወጹ ናይቲ ባንኪ ማናጀር ንሱፐርቫይዘሩ "ናብ ዝምልኸቶ ስልኺ ደዊልኻ ስርቒ ከምዝተፈጸመ ብቕልጡፍ ኣፍልጥ" ክብል ኣዘዞ። እቲ ሱፐርቫይዘር ድማ "ጽናሕ እስኪ ካብቲ ካዝና 10 ሚልዮን ንባዕልና ወሲድና ድሕሪኡ ምስቲ ዝወሰድዎ 70 ሚልየን ቅርሺ ሓዊስና ሪፖርት እንተገበርና ይሓይሽ" በሎ።
እዚ ጥበብ "Swim with the Tide" ይበሃል። ኣጸገምቲ ኣጋጣሚታት ናብ ባዕልካ ጥቕሚ ክውዕሉ ምግባር።
እቲ ሱፐርቫይዘር በቲ ኣጋጣሚ ዝረኸቦ ሃብቲ ሪኡ "እንታይ ኔሩዎ እዚ ስርቒ በቢወርሑ እንተዝኸውን" በለ።
እዚ "Killing Bordem" ይበሃል።ሃንደበታዊ ብዝኾኑ ተጓንፎታት ልዕሊ ዓቕምኻ ዝኮኑ ነገራት እንትኽሰቱ ልዕሊ ሙያካን ስራሕኻን ንውልቓዊ ሓጎስ ቀዳምነት ምሃብ'ዩ።

ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ኣብ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ካብቲ ባንኪ 100 ሚሊዮን ቅርሺ ከምዝተሰረቐ ተጋውሐ። እቶም ሰረቕቲ ግን ተጠራጢሮም ነቲ ገንዘብ እንትቆጽሩዎ 20 ሚልዮን ጥራሕ ኮነ።ምሒር ተቆጥዑ። "ንሕና ሂወትና ኣብ ሓደጋ ኣእቲና ዝሰረቕናዮ 20 ሚልዮን ጥራሕ እዩ።እቲ ማናጀር ግን ብናትና ስም ብናጽነት 80 ሚልዮን ወሲዱ። ሰራቒ ካብ ምኻን ተማሂርካ ማናጀር ምኻን ምሓሸና ኔሩ።" በሉ።
እዚ ድማ "Knowledge is Worth as much as Gold" ፍልጠት ከም ወርቒ ክቡር ምኻኑ ዝነግረና ነጥቢ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ካብቶም ጉጅለ ሰረቕቲ ንላዕሊ እቲ ማናጀርን ሱፐርቫይዘርን ሕጉሳትን ዕዉታትን መሲሉ ተሰምዖም።
ካብ Social media ዝተረኸበት

ትርጉም ብ ጩራ ወጋሕታ
(Join us on telegram
@Tigrigna_literature