Get Mystery Box with random crypto!

#Ricky_Jackson ይበሃል። ናይ #ክለቨላንድ_ኦሂዮ ነባራይ እዩ።ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብዘይ ወዓ | ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

#Ricky_Jackson ይበሃል። ናይ #ክለቨላንድ_ኦሂዮ ነባራይ እዩ።ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብዘይ ወዓሎ ገበን ድሕሪ ምእሳሩ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድሉ ይኹን እምበር እቲ ፍርዲ ብርእሰ-ብሄር እታ ሃገር ስለዘይተፈረመ ናብ ዕድመ ልኽዕ ማእሰርቲ ተቐይሩ ን39 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጸኒሑ እዩ።ድሕሪ ቡዙሕ ዓመታት እቲ ትኽክለኛ ፈጻሚ ገበን ብምርካቡ Jackson ብዝሕ ዝበለ ካሕሳ ተከፊልዎ ይወጽእ።ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ምስወጸ ነቲ ዘእሰሮ ሰብ ብምርካብ ሓቒፉ "ይቕሬታ ገይረልካ" ኣለኹ በሎ።
ቃለ-መሕትት ንዝገበርሉ ጋዜጤኛታት ድማ ከምዚ ክብል ተዛረበ። "ኣብ ውሽጢ እስር-ቤት ስለዝኾንካ እሱር ኢካ ማለት ኣይኮነን።"
ናጽነት ዘሎ ኣብቲ ዘለኩምሉ ቦታ ዘይኮነ ኣእምሮኩም ውሽጢ እዩ። ናይ ቅርሕንትን ጽልእን እሱር ከይትኾኑ ሓዳጋት ኩኑ።ይቕሬታ ግበሩ፣ምኻድ ኣይተቋርጹ፣ኣብቲ ዝተጎዳእክምሉ ኣይትጽንሑ።ሂወት ሰፋሕ፣ብዙሕ ኣንፈታት ዘለዋ ናይ ጉዕዞ ሃዲድ እያ።
Via: Book Menu

Join us on telegram
@tigrigna_literature