2022-07-03 08:52:01
ፍርዲ(ሑክሚ) ናይ ኡድሒያ(ሕርዶ) እንታይ እዩ፣?
ኣሏህ ሱብሓነሁ ወታዓላ ፈሊጥኩም ተገዙኡኒ ኢሉና፡ ስለዚ ወላ ሕርዶ ናይ ዒድ (ኡድሕያ) በቲ ልክዕ መልክዑ ከነተግብሮ መታን ነዛ ጽሕፍቲ ተገዲስና ኣንቢብና ናብ ኣሕዋትና ነሕልፋ፡ ባረከሏሁ ፊኩም
*ومن الأعمال الصالحة التي يشرع للمسلم العناية بها في هذه العشر المباركة أن يتقرب إلى الله جلا وعلا بنحر أضحيته في يوم النحر اليوم العاشر من هذه الأيام تقربا إلى الله وطلبا لثوابه.*
ሓደ ኣስላማይ ካብቲ ቀንዲ ክግደሰሉ ዝግባኦ ነገር፤ኣብ ዒድ መዓልቲ ሊላህ ኢሉ፡ረቢ ኣጅሪ ክህበኒ ኢሉ ሕርዶ ክሓርድ።
*فإن الحجاج، حجاج بيت الله الحرام يتقربون إلى الله في يوم النحر بنحر الهدايا والمسلمون في البلدان يتقربون الى الله بنحر وذبح الضحايا.*
ልክዕ ከምቲ ሓጀጅቲ ኣብ በይተላህ ኣልሓራም(ማካ) ኮይኖም ኣብዚ መዓልቲ'ዚ ናብ ረቢ ዘቅርቦም ናይ (ሃድይ) ሕርዶ ዝሓርዱ ፧ኩላቶም ሙስሊሚን ካኣ ኣብ ዘዘለውዎ ዓድታት እቲ ናብ ረቢ ዘቀራርቦም ናይ (ኡድሒያ) ሕርዶ ይሓርዱ።
*ولأهمية هذه الأضحية وعظم أجرها اختلف العلماء في حكمها فنص بعضهم على وجوبها ورجحه ابن تيمية ولكن الصحيح هو قول جمهور العلماء أنها سنة مؤكدة لا ينبغي على قادر وواجد أن يتركها.*
ፍርዲ(ሑክሚ) ናይ ኡድሒያ(ሕርዶ) እንታይ እዩ ምስ እንብል?
መልሲ፡ክልተ ኣራዳዳኣ ናይ ዑለማእ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ኣራዳዳኣ ዋጅብ(ግዴታ)እዩ ዝብል።እዚ ኻኣ ኣራዳዳኣ ናይ ኢብኒ ተይሚያ (ረቢ ይርሓመሎም)እዩ።
እቲ ካልኣይ ኣራዳዳኣ፡ቁኑዕ ዝኾነ፧ናይ መብዛሕቶም ዑለማእ ሱና ሙኣከዳ(ርግጽቲ ዝኾነት ሱና)እያ እዩ ዝብል።
ገንዘብ ዘለዎ፧ ዓቅሚ ዘለዎ እንተ ሓሪዱ ሱና እዩ፧ግን ግዴታ ኣይኮነን።
*وأول وقتها بعد صلاة العيد وينتهي وقت الاضحية بعد غروب الشمس من آخر يوم من أيام التشريق وهو اليوم الثالث عشر من ذي الحجة.*
ሕርዶ ዝጅምረሉ ግዜ ድሕሪ ሰላት ኣልዒድ እዩ፡ክሳብ ዕለት 13 ዙልሒጃ ጻሓይ ክሳብ ትዓርብ ድማ ይቅጽል።
*لكنه يسن أن يذبحها بعد صلاة العيد حتى يأكل منها مباشرة وقد كان النبي صلى الله عليه وسلم يفعل ذلك.*
እቲ ሱና ናይ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ግን ተቀላጢፍካ ድሕሪ ሰላት ኣልዒድ ክትሓርድ እዩ፧ድሕሪኡ ካብኣ ክትበልዕ።
*والذي يضحى به بهيمة الأنعام فقط لقوله تعالى (ولكل أمة جعلنا منسكا ليذكروا اسم الله على ما رزقهم من بهيمة الأنعام) و بهيمة الأنعام هي الإبل والبقر والغنم.*
ካብ እንስሳታት ንሕርዶ (ኡድሒያ)ዝበቅዕ ገመል፧ብዕራይ፧ጤለ'ባጊዕን እዩ።
*وتجزئ الواحدة من الغنم عن الشخص الواحد و أهله ويجزئ سبع البعير أو سبع البقره عما تجزئ منه الواحدة.*
ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንሓደ ሰብ ምስ ስድራ ቤቱ እኽልቲ እያ።
ሸውዓተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ገመል ወይ ሓደ ብዕራይ ክሻርኹ(ወይ ጉዚ ኣብ ሸውዓተ ሰባት ክማቀሉ)ፍቁድ እዩ።
*((ويعتبر بلوغ السن المعتبر شرعا في الأضحية بأن تكون ثني من الإبل وإن كان من البقر أو الماعز جذعا......))*
هنا شيئ محذوف ما استطعت ترجمته.
*والثني من الإبل ما تم له خمس سنين والثني من البقر ما تم له سنتان والثني من الماعز ما تم له سنة، والجذع من الغنم ما تم له نصف سنة*
ንሕርዶ ዝበቅዑ፡-
ገመል ሓሙሽተ ዓመት ዘእከለት ክትከውን ኣለዋ።
ከብቲ ክልተ ዓመት ዝመለአት ክትከውን ኣለዋ።
ጤል ሓደ ዓመት ዘእከለት፧በጊዕ ድማ ካብ ሽድሽተ ወርሒ ንላዕሊ ክትከውን ኣለዋ።
*واشترطوا كذلك في الأضحية السلامة المانعة من الإجزاء والمذكورة في حديث البراء بن عازب رضي الله عنه قال: قام فينا رسول الله فقال أربع لا تجوز في الأضاحي وفي رواية لا تجزئ العوراء البين عورها والمريضة البين مرضها والعرجاء البين ظلعها والكسيرة التي لا تنقي) رواة الخمسة.*
ከምኡውን እታ ትሓርዳ ካብተን ኣርባዕተ ኣበራት ኣብ ሓዲስ ናይ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተጠቀሳ ነጻ ክትከውን ይግባእ።
ኣልበራ ኢብኒ ዓዝብ ረቢ ይፍተወሎም ዘውረዩዎ ሓዲስ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከምዚ ይብሉ:-
ኣርባዕተ ነገራት ንሕርዶ(ኡድሒያ) ኣይበቅዓን እየን።
1_ሓንቲ ዓይና ዝኖቀረት
2_ርኡይ ሕማም ዘለዋ ንኣብነት ቀልጢፋ ትደክም፧ወይ ሕማም ጣዑን(ተላጋብን ተላባዕን)ዘጥቃዓ
3_ሓንካስ፡ ርኡይ ሕንክስና ዘለዋ፧(ወይ ቆራጽ ኢዳ ወይ እግራ)።
4_ዕባራ፡ኣብ ዓጽማ ኣንጉዕ ዘይብላ፧ብሕማም ዝተጠቀዐት፧ክትስእ ኣይትኽእል ኮፍ ክትብል ኣይትኽእል
(እዘን ኣርባዕተ ኣበራትን ንዐአን ዝኣመሰለን ወይ ካብኡ ዝገደደን ንሕርዶ ኣይበቅዕን እዩ።)
*ويستحب في الاضحية تثليثها كما في قول النبي صلى الله عليه وسلم كلوا وادخروا وتصدقوا) رواه مسلم من حديث عائشة رضي الله عنها، وقال النبي صلى الله عليه وسلم كلوا وأطعموا وادخرو) رواه البخاري من حديث سلمة بن الأكوع.*
እታ ትሓርዳ ኣብ ሰለስተ ክትከፍላ ፍቱው እዩ።
ከምቲ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ ሓዲስ ዝዘከሩዎ።
ከምዚ በሉ።ብልዑ፧ካብኣ ኣቀምጡ፧ሰደቃ ድማ ኣውጽኡ።
*وقد جاء في صحيح مسلم عن نبينا صلى الله عليه وسلم أنه قال إذا دخلت العشر وأراد أحدكم أن يضحي فلا يمس من شعره وبشرته شيئا وفي رواية إذا رأيتم هلال ذي الحجة وأراد أحدكم أن يضحي فليمسك عن شعره وأظفاره.*
ኣል ኢማም ሙስሊም ረቢ ይርሓመሎም ዘውረዩዎ ሓዲስ፧ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከምዚ በሉ፡ሓደ ካባኻትኩም ክሓርድ ኒያ እንተ ጌሩ፧ወርሒ ዙልሒጃ ምስ ዝኣቱው፧ጾግሩ ይኹን ጽፍሩ ከይሰድድ በሉ።
ከምኡውን ካብ ቆርበቱ ከይወስድ፧(ንኣብነት ከምቲ ሸኽ ኢብኒ ዑሰይሚን ዝጠቀሱዎ፧ከም ምኽንሻብ፧ወይካብ ዝነቀዐ እግርኻ ሓኺኽካ ቆርበት ከይትሰድድ)።
*ولهذا يا عباد الله فإن من أراد أن يضحي فعليه اذا دخلت العشر أن لا يأخذ من شعره ولا من أظافره شيئا حتى يضحي*
ከምዚ ዝዘከርናዩ ኡድሒያ ክሓርድ ኒያ ንዘለዎ ክሳብ ኡድሒያ ዝሓርድ ጾግሩ ይኹን ጽፍሩ ክሰድድ ኣይፍቀድን እዩ።
*و هذا حكم خاص بمن أراد أن يضحي أما أهله واولاده ومن يضحي عنهم فإنهم لا يشملهم ذلك الحكم.*
170 views05:52