Get Mystery Box with random crypto!

ዜናታት ምስዮት 26/2014 ዓ/ም (ድወት) 1.ፀላኢ ሎሚ 26 ነሓሰ 2014ዓ.ም ወጋሕታ ካብ ሰ | 𝐌ahder 𝐊iya | ማህደር ቅያ

ዜናታት ምስዮት 26/2014 ዓ/ም (ድወት)

1.ፀላኢ ሎሚ 26 ነሓሰ 2014ዓ.ም ወጋሕታ ካብ ሰዓት 10:30 ጀሚሩ ናብ ኣድያቦ ብኣርባዕተ ኣንፈታት መጥቓዕቲ ጀሚሩ ከምዘሎ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣማራፂ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ዓፅዩ ማእለያ ዘይብሉ ስሩዕን ዘይስሩዕ ሓይሉ ተጠቂሙን ባዕዳዊ ሓይሊ ኣሰሊፉን ናብ ዝተማለአ ኲናት ዝኣተወ ፀላኢ ዝተመነዮ ብፍፁም ክሰምረሉ ከምዘይኽእል ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

ካብ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝበፅሓና ዜና ሙሉእ ትሕዝትኡ ሰለሞን ገብሩ ከቕርቦ እዩ።

2.ልፍንታውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኸፊቶሙዎ ዘለዉ ሰፊሕ ወራር ንምምካትን ስዒርካ ንምውፃእን ህዝቢ ትግራይ ከም ቀደሙ ሰሚሩን ፀኒዑን ክቃለስ ይግባእ ኢሎም ድምፂ ወያነ ዘዘራረቦም ወገናት።

እቲ ቅሉዕ ወራር መቐፀልታ እቲ ሕሉፍ ተግባሮም ምዃኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኩሉ መንእሰይ ናብ መስርዕ ሰራዊት ትግራይ ክፅምበር ፀዊዖም።

3. ከፅንቱና ወፊሮም ዘለዉ ፋሺስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ንምምካት ሎሚ እውን ኣብ ጐኒ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ተሰሊፍና ካባና ዝድለ ኹሉ ክነበርክት ድሉዋት ኢና ኢሎም ነጋዶ ከተማ መቐለ።

እቶም ነጋዶ ነዚ ዝገለፁ ኮሚቴ መኸተን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ብዝብል ዝተጣየሸ ውዳበ እቶም ነጋዶ ክሳብ ሕዚ ከካይድዎ ዝፀንሑ ስራሕቲ መኸተን ኣፈፃፅምኡን ኣብ ዝዘተየሉ እዋን እዩ።

4. ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣብ ትግራይ ኲናት ምውላዑ ነቲ ዘተ ሰላም ንምትእጉጓልን ህዝቢ ትግራይ ኣጥፊእኻ ካብ ታሓታትነት ንምምላጥን ዝዓለመ መንገዲ ጥፍኣት ምዃኑ ድምፂ ወያነ ዘዘራረቦም ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶምን ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስን ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ኲናት ማሕበረሰብ ዓለም ዝህቦ ዘሎ ኣቓልቦ ዝተለመደ ናይ ዲፕሎማሲ ቋንቋ ደኣ እምበር ብግልፂ ክኹንኖ ኣይርኣናን ክብሉ ድማ ይሕብሩ።

5.ጉጅለ ፋሺስት ኣብይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ጥቡቕን ትሉምን ኽልከላ ንክለዓል ሃገራት ኣፍሪካ ግደኣን ክፃወታ ይግባእ ኢሎም ዳይሬክተር ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰል ሂዩማን ራይትዎች ኬኔዝ ሮዝ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፎረይን ፖሊሲ ሰፊሕ ሓተታ ዘፅሓፉ እቶም ዳይሬክተር ማሕበረሰብ ዓለም እውን ንዩክሬን ዝሃቦ ልዑል ትኹረት ንሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ እውን ግቡእ ጠመተ ክህቦ ሓቲቶም።

#DW