Get Mystery Box with random crypto!

መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)

የቴሌግራም ቻናል አርማ hadiswebluy — መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)
የቴሌግራም ቻናል አርማ hadiswebluy — መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ(ኢ/ር)
የሰርጥ አድራሻ: @hadiswebluy
ምድቦች: ያልተመደበ
ቋንቋ: አማርኛ
ተመዝጋቢዎች: 1.77K
የሰርጥ መግለጫ

መኑ ስምከ ( ሽምካ መን እዩ )?
ነቅዕ ዘእምዐዘቅት ንፁሕ ወእማይ ዘኢይማስን ክርስቲያን ስምየ (ካብ ንፁህ ዐዘቕትን ካብ ዘይልወጥ ካብ ዘይነፅፍ ማይን ዝተረኸበ ክርስቲያን እዩ ሽመይ)
ሕቶታትኩም @Megabemiki
።።።።፡።።።።።።።።።።።።።።።።።።
ንዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ሕቶን መልስን ይፀንበሩና 👇👇👇
@hadiswebluy

Ratings & Reviews

2.67

3 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

0

4 stars

0

3 stars

2

2 stars

1

1 stars

0


የቅርብ ጊዜ መልዕክቶች 2

2022-08-19 12:42:05 https://t.me/+UMlbsnkXnCyT_wZk
530 viewsMichael, 09:42
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-19 12:40:58 ጎይታና ኣብ ቂሳርያ ንሓዋርያት ደቂ ሰባት ንዓይ መን ይብሉኒ ኢሉ እንትሓቶም ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ኤርምያስ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቅ ገሊኦም ካብ ነብያት ሓደ ሙሴ ይብሉኻ ኢሎምዎ ስለዝነበሩ
ሙሴ ኤልያስ ወይ እውን ካብ ነቢያት ሓደ ከምዘይኮነ ንኽምስክሩ መፁ።
እንትምስክሩ እውን እግዚአ ሙሴ እግዚአ ኤልያስ ይበሉኻ እምበር ናትና ፈጣሪ ንዓኻ መን እዩ ሙሴ ኤልያስ ዝብለካ ኢሎም መስከሩ።።። ማቴ 16:13-15

ብተወሳኺ ሙሴ ብሕይወተ ሥጋ እናሃለወ ገፅካ ክርኢ ይደሊ እየ ይብሎ ነበረ ጎይታ ብመለኮቱ ዋላ ሓደ ሪኢዎ ስለዘይፈልጥ
"አልቦ ዘይሬኢ ገፅየ ወየሐዩ አሐተ ሰዐተ" ዘጸ 33:18-20
ገፀይ ሪኡ ሓንቲ ሰዓት እኳ ጠጠው ክብል ዝኽእል የለን እሞ ኣብ ደብረ ታቦር ሥጋ ለቢሰ ምሥጢረይ ክገልፅ እንተለኹ ክትሪኡኒ ኢኹም ኢልዎም ስለዝነበረ በዚ መሠረት ኣምላኾም ንምርኣይ ናብ ደብረ ታቦር መፁ።።

ናብዚ ደብረ ታቦር ዝደየቡ ገሊኦም ዝተመርዓው ገሊኦም ዘይተመርዓው ገሊኦም ሙውታን ገሊኦም ሕያዋን ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ነቢያት እዮም።።

እዛ ናይ ቤተ ክርስቲያንን መንግስተ ሰማያትን ምሳሌ ዝኾነት ደብረ ታቦር ተሕልፎ ዘላ መልእኽቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ዝኣትዉ ደናግል፥ መዓስባን፥ ነቢያት፥ ሐዋርያት ኩሉ ብክርስቶስ ዝአመነ ከምዘአቱ ንኽትሕብር እዩ።።።።።።

ንስንሳቶም እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክፅልዩ ተሰምዑ ምውት ንሕያው፤ ሕያው ንምውቱ ሙሴ ንሕያዋን ኤልያስ ንምውታን።
እዚ ማለት ኣብ ምድሪ ዘሎ ንዝሞቱ ከምዝፅልየሉ ዝሞተ ድማ ንምድሪ ዘሎ ከምዝፅልየሉ ብደንቢ ገይሮም ኣምሂሮም ኣብ ቅድሚ ኣምላኾም ምፅላዮም እዚ ብኣምላኽ ቅቡል ምዃኑ ከመይ ዘድንቕ እዩ ነዚ

ደብረ ታቦር ብብርሃነ መለኮት በርሀት ሓዋርያት ናይ ክርስቶስ ብርሃነ መለኮት ምስረኣዩ ብድንጋፀ ከም በድኒ ኾኑ ኣብ ቅድመይ ዋላ ሓደ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን ከምዝበለ ብርሃነ መለኮቱ ምስገለፀ ሓዋርያት ብድንጋፀ ኣእምሮኦም ሲሒቶም ወደቁ ሓደ ሓደ ጊዜ ዝጠራጠርሉ ዝነበሩ ክርስቶስ ኣብዚ ኣምላኽነቱ ምስ ረኣዩ ከምዘይነበሩ ኾኑ።።።

ከመይ ዘደንቕ ነገር እዩ ንሙሴ ጭንጋፍ ብርሃነ መለኮቱ ኣብ ግንባሩ ስኢሉሉ ካብ ደብረ ሲና ናብ ህዝቢ ምስ ወረደ ሙሴ ግንበሩ ኣንፀባሪቕዎም ሙሴ ገፅካ ሸፍነልና ምርኣይ ሲኢንና እንትብልሉ ግርማ መለኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር ዘብርሀ ኣምላኽማ ከመይ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ክበሃል ይከኣል??።

ንፁሃን መላእክት ብርሃነ መለኮቱ ከየቃፅሎም በክልተ ክንፎም ገፆም ብኽልተ ክንፎም እግሮም በኽልታ ክንፎም የማንን ፀጋምን ዘርጊሖም ዝንቅጥቀጥሉ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ንኸምህር ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱ ገለፀ።።።

ካብ ደብርታት ደብረ ታቦር ዝመረፀሉ ምኽንያት ትንቢቱ ምሳሌኡ ንኽፍፅም
ትንቢት" ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ ወይሴብሑ ለስምከ " መዝ 89:12-13
ተባሂሉ ተተንቢዩ ነይሩ ነዚ ትንቢት ንምፍፃም።
ምሳሊኡ ከዓ ኣብ ደብረ ታቦር ባርቅ ዲቦራ ብሥጋ ዓወት ቀኒዕዎም ፀላኢ ኣሸኒፎም እዮም ሰማያዊ ምድራዊ ንጉሥ ክርስቶስ እውን ፀላኢ ዲያብሎስ ኣሸኒፉ ንደቂ ሰባት ዘኽብረሉ ደቂ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኾም ክርስቶስ እናመሰግኑ ብመስቀል ሰይጣን ከምዝቕጥቅጡ ከፍልጥ ናብ ደብረ ታቦር ወፀ።
እዚ በዓል ናይ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ትሸዓቲኦም ዓበይቲ በዓላት ሓደ እንትኾን ምሥጢር ዝረሓቐና ቀሪብና ከም ጴጥሮስ ዮሐንስ ያዕቆብ ክብሪ ንኽንርኢ ውሽጣዊ ኣእዛንና ዘርጊሕና ልብና አንፂህና ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኢልና ምሥጢሩ ክንሓፍስ ይግባእ።።

እግዚእነ ወአምላክነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓድና ሰላም ይግበረልና።

መጋቤ ሐዲስ ሚኪኤለ ገ/ክርስቶስ ኢ/ር/
Subscribe youTube
https://youtube.com/channel/UCpAmcZbBa1vvW28Tq1m-0LQ

Facebook
https://www.facebook.com/mikiale.g

https://t.me/+UMlbsnkXnCyT_wZk
502 viewsMichael, 09:40
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-19 12:40:57 "ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ
ወይሴብሑ ለስምከ
መዝራዕትከ ምስለ ኃይል"

(ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ። ቅልፅምካ ምስ ሓይሊ እዩ፤ ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት።
መዝ 89:12 - 13)

ደብረ ሲናን ደብረ ታቦርን

ኣብ ደብረ ሲና ፈጣሪና እግዚአብሔር አብ ኣብ ሙሴ ሓዲሩ ብርሃነ መለኮቱ እንትገልፅ
ኣብ ደብረ ታቦር ከዓ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ አብኡ ህልው ኮይኑ ብርሃነ መለኮቱ ናይ ባሕርይ ክብሩ ገሊፁ እዩ።።።

ሊቃውንቲ ብሉይ( ዘመነ ኦሪት) ንእግዚአብሔር አብ ሐዲስ ኪዳን ንእግዚአብሔር ወልድ ሂቦም የመሥጥርዎ። እዚ ክብሉ እንተለው ግን #እግዚአብሔር አብ ኣብ ሐዲስ #እግዚአብሔር ወልድ ኣብ ኦሪት ዘይለው ኮይኖም ኣይኮነን እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ሙሉእ እዩ አብ፥ ወልድ፥ መንፈስ ቅዱስ ብሽሞም ሰለስተ ብመለኮት ብባህርይ ብፍቓድ ሓደ ኣምላኽ ስለዝኾኑ አብ ካብ ወልድ፣ ወልድ ካብ አብ፣ መንፈስ ቅዱስ እውን ካብ አብን ወልድን ዝተፈለዩሉ ጊዜ የለን።።

እንተኾነ ግን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ ናይ ሥላሴ ምሥጢር ተጎሊሁ ኣይተፈለጠን ነይሩ
" መኑሂ እምኢያእመሮሙ ለሥሉስ ቅዱስ ዘእንበለ እምድኅረ ዘተሠገወ ወልድ ዋህድ እምቅድስት እሙ" ከምዝብል ሃይማኖተ አበው

ነዚ እውን እዩ ወልድ ኣብ አብ ህልው ኮይኑ ሙሴ ናብ ደብረ ሲና እንትወፅእ ናይ እግዚአብሔር ክብሪ ናብ ህዝቡ ንኸምህር ንኽምስክር ናብ ደብረ ሲና ኣውፀኦ።

ደብረ ሲና ናይ እግዚአብሔር ሕጊ ናብ ደቂ ሰባት ዘመሐላለፈት ብብርሃነ መለኮት ዝተኸበበት እግዚአብሔርን ሙሴን ዝተዘራረቡላ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እያ።። ዘጸ 19

ሙሴ ናብ ደብረ ሲና እንትወፅእ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሐዲስ ኪዳን ዝገብሮ ነገር አቐዲሙ ስለዝተገለፀሉ ደብተራ ኦሪት ንኽሰርሕ ነዚ መምርሒ ንዝኾነ ሕጊ ዝተሓገገሉ ትእዛዝ ንኽቅበል መዓንጥኡ ተዓጢቑ ጫምኡ ኣውፂኡ ነብሲ ኣንፂሁ ናብዛ ቅድስቲ እምባ ወፀ።። ዘጸ 19:20

ሙሴ ናብዛ እምባ ክወፅእ እንተሎ ሌዋውያን ካህናተ ኦሪት ኣብ ማእኸል እቲ እምባ ህዝበ እስራኤል( እስራኤል ዘሥጋ) ኣብ ታሕቲ ገዲፉ ንሱ ናብ ላዕሊ እቲ ደብሪ ወፂኡ ሸውዓተ ዓምደ ብርሃን ተዘርጊሒ ረኺቡ ሽድሽቲኡ መጋረጃ ብርሃን ሓሊፉ ኣብቲ ሻውዓይ ኣትዩ ቃል ብቃል ምስ እግዚአብሔር 34 መዓልቲ ተዘራሪቡ ሽድሽተ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ ዝተፈጠሩ ፍጥረታት ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ልቦንኡ ቀሪፁሉ ድሕሪ 40 መዓል መመሓደሪ ሕዝበ እስራኤል ዝኾነ ሕገ ኦሪት ተቀቢሉ ወሪዱ እዩ።። ዘጸ 31:18

ኣብዚ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተገለፀ ምሥጢር ኣብ ከተማ ንዝነበሩ ንኤልዳድን ንሙዳድን እውን ተገሊፁ እዩ። ዘኁ 11:26
እግዚአብሔር ኣብ ግንባር ሙሴ ክንዲ ኣድሪ ትኸውን ብርሃነ መለኮቱ ስኢሉሉ ናብ እስራኤል ምስ ወረደ ኣብ ገፁ ዝተስኣለ ብርሃነ መለኮት ስለዘንፀባረቖም "ሙሴ ሙሴ ተገልበብ ለነ" ዘጸ 34፡29
ሙሴ ሙሴ ገፅካ ሸፍነልና ኢሎምዎ እዮም
እዞም ህዝቢ ኣብ እግሪ ከተማ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና እናሃለወ ነቲ እምባ ብፀልማት ብንፋስ ብጣቃ ሸፊኑ እናፈጠነ ብዝወቅዕ ነጋሪት ገሲፅዎም ነይሩ እዩ እዞም ህዝቢ ብፍርሒ ወደቑ ኮይኑ ግን ከይስምብዱ ሙሴ ኣረጋጊዕዎም እዩ
ከምዚ ከዓ በሎም" እግዚአብሔር በዚ ዘፍርሕ ነገር ዝተርአየኩም ትእዛዙ እንተሓሊኹም ንሱ ድማ ካብ ፀላኢ ከምዚ ሓፂሩን ኣኽቢሩን ከንብረኩም እዩ ትእዛዙ እንተዘይሓሊኹም ግን ከምዚ ገይሩ ከጥፈአኩም እዩ ኢሉ ኣረጋጊዑዎም እዩ" ነዚ ሕገ ኦሪት ንኽሕልውዎ ድማ ኣጠንቂቕዎም እዩ።።

ደብረ ታቦር
ምስ ደብረ ሲና ክነነፃፅር እንተለና ደብረ ሲና ምሳሌ እንትኾን እዩ ደብረ ታቦር ከዓ አማናዊ እዩ
ኣብ ደብረ ሲና ናይ ሓዲስ ኪዳን መፀናሒ ዝኾነ ሕገ ኦሪት ከምዝተረኸበ ኣብ ደብረ ታቦር ከዓ አማናዊ ሕጊ ዝሃበ በዓል ዋና ናይ ኦሪትን ሓዲስን ሕጊ ዝመስረተ ኢየሱስ ክርስቶስ ተረኺቡ ብርሃነ መለኮቱ ገሊፁ እዩ። ማቴ 17:1-

ኣብ ደብረ ሲና ታቦተ ሕጉ ንሙሴ ተዋሂቡ ደብተራ ኦሪት ተመስሪቱ እዩ ኣብ ደብረ ታቦር ድማ ሓዲስ ኪዳን ፀኒዑ ናይ ሐዲስ ኪዳን ሠራዔ ሕግ ክርስቶስ ተረኺቡሉ እዩ።

ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተምሳሌት ዝኾነት ደብረ ታቦር ክድይብ እንተሎ ካብ ደቀ መዛሙርቱ 3 ሒዙ ደይቡ እዩ እዚኣቶም እውን ጴጥሮስ፥ዮሐንስን ያዕቆብን እዮም እቶም ሸሞንተ ይሁዳ ሓዊሱ ግን ኣብ ታሕቲ ገዲፍዎም ደይቡ እዩ።

ስለምንታይ እንተበሉ?
ኣሕሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ስለዝነበረ ንይሁዳ ኣብቲ ናይ ባህርይ ክብሩ ዝገልፀሉ ምስጢር ከሳትፎ ስለዘይደለየ
ንበይኑ ንይሁዳ ገዲፍዎ ንኸይድይብ ከዓ ይሁዳ ምኽንያት ንኸይገብር ኣነ ንኢየሱስ ክርስቶስ አሕሊፈ ዝሃብክዎ(ዝሸጥክዎ ንኽስቀል ዝገበርክዎ) ካብቲ ምሥጢሩ ስለዝኸልከለኒ እዩ ንኸይብል።።

ኮይኑ ግና ኣብ ደብረ ታቦር ምሥጢሩ እንትገልፅ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝተገለፀ ምሥጢር ኣብ ከተማ ንዝነበሩ ንኤልዳድና ንሙዳድ ከምዝተገለፀሎም ኣብዚ ደብሪ ንሰለስቲኦም ሐዋርያት ዝተገለፀ ምሥጢር ኣብ ታሕቲ ንዝነበሩ ሸሞንቲኦም ሓዋርያት እውን ምሥጢሩ ገሊፅሎም እዩ።።

ኣብ ደብረ ሲና ሙሴ ሽድሽተ መጋረጃ ብርሃን ሓሊፉ ኣብቲ ሻውዓይ ኣትዩ ምስ እግዚአብሔር ከምዝተዘራረበ ኣብ ደብረ ታቦር ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ባህርይ ኣቡኡ ምስ አብ እንትዘራረብ ሓዋርያት ሰሚዖም እዮም።።

"ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ወሎቱ ስምዕዎ"
ዝፈትዎ ዘፍቅሮ ብዕኡ ክምለኽ ምስክር ክኾነኒ ናባኹም ዝሰደድክዎ ብመለኮት ምሳይን(አብ) ምስ መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ዝኾነ ወልድ ናይ ባህርይ ወደይ ንሱ እዩ ስምዕዎ በሎም።

ስለምንታይ ነዚ ቃል ኣልዒልዎ ጴጥሮስ ዮሐንስ ያዕቆብንስ ስለምንታይ ሒዝዎም ደይቡ እቶም ካልኦት ሒዙ ዘይደየበ????

ሰለስቲኦም ሒዙ ዝደየበ ጴጥሮስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመውት እየ እንትብሎም እንተሎ "ሐሰ ለከ" ብፍፁም ኣይትመውትን ኢሉዎ ስለዝነበረ ክመውት ከመዘለዎ እንተዘይሞይቱ ዓለም ከምዘይድሕን ክፈልጥ ስለዘለዎ ሊቀ ሓዋርያት ካብ እግዚአብሔር አብ ምስክርነት ክሰምዕ ስለዘለዎ ናብ ደብረ ታቦር ሒዝዎ ወፂኡ እዩ ምስ ወፀ ድማ ከምዝተብሃለ እግዚአብሔር አብ
"ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ወሎቱ ስምዕዎ"
ዝብል ቃል ሰሚዑ እዩ።።

ዮሐንስን ያዕቆብን ዘውፀአሉ ምኽንያት

እዚኦም ሒዝሉ ዝወፀ ምኽንት ከዓ አዲኦም ማርያም ባውፍልያ ናብ ጎይታ ኽተምፅኦም እንተላ ነቲ ሓደ ብየማንካ ነቲ ሓደ ከዓ ብፀጋምካ አንግሰለይ በለቶ ንሳቶም እውን ብፀጋምካ በየማንካ አንግሰና ኢሎምዎ ነበሩ ኮይኑ ግና ጎይታ ናብዚ ዓለም ዝመፀ ንደቂ ሰባት ምድራዊ ንግሥና ክሾም ክሽልም ዘይኮነስ ተገሪፉ ተሰቒሉ ሞይቱ ተሲኡ ዓለም ንኸድሕን ሰማያዊ ንግሥና፣ ክብሪ፣ ቅድስና ክህብ ከምዝመፀ ከፍልጦም ናብ ደብረ ታቦር ሒዝዎም ወፂኡ እዩ

ብተወሳኺ ንፍቅሩ ይስስዑ ስለዝነበሩ ጴጥሮስ ኣይትሞትን ዝበሎ ንፍቅሩ ስለዝስስዕ ዮሐንስን ያዕቆብን ኣብ የማንካን ፀጋምካን ኣምግሰና ማለቶም እውን ንፍቕሩ ስለዝስስዑ እዩ።

ኣብዚ ደብሪ ካብ ሓዋርያት ሰለስተ ካብ ሙታን ሙሴ ካብ ዝተሰወሩ ኤልያስ መፂኦም ነበሩ

ኤልያስና ሙሴ ዝመፁሉ ምኽንያት
556 viewsMichael, 09:40
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-18 19:23:56

597 viewsMichael, 16:23
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-17 17:48:02

648 viewsMichael, 14:48
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-16 18:30:02

707 viewsMichael, 15:30
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-14 17:39:45

869 viewsMichael, 14:39
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-14 12:14:08 ቅዳሴ ማርያም ትርጓሜ 8ይ መዓልቲ
816 viewsMichael, 09:14
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-14 12:14:08

819 viewsMichael, 09:14
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-13 19:14:32 ውዳሴ ማርያም ምስ ቅዳሴ ማርያም ትርጓሜ 7ይ መዓልቲ ይከታተሉ
806 viewsMichael, 16:14
ክፈት / አስተያየት ይስጡ