Get Mystery Box with random crypto!

ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚

የቴሌግራም ቻናል አርማ tigrigna_literature — ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚
የቴሌግራም ቻናል አርማ tigrigna_literature — ብርዒ ትግርኛ📝Tigrigna literature📚
የሰርጥ አድራሻ: @tigrigna_literature
ምድቦች: ያልተመደበ
ቋንቋ: አማርኛ
ተመዝጋቢዎች: 3.02K
የሰርጥ መግለጫ

ብርዒ ትግርኛ📝📚
እዚ Telegram ቻነል በቲ ልዕሊ ዝኾነ ክቡር ቋንቋና ትግርኛ ዝተፈላለዩ ስነ-ጽሑፋት ዝቐርብሉ ብሉጽ ቻነል እዩ።
⭐️ዛንታታት ፍቕሪ
⭐️ኣለበምቲ ጽሑፋት
⭐️ኣገረምቲ ክስተታት
⭐️ፍልስፍናዊ ጽሑፋት
⭐️ኮታስ ኩሉ ዓይነት ንደቒ ሰባት ጠቐምቲ ዝበሃሉ መደባት ዝቐርብሉ ቻነል እዩ። ዘለኩም ሪኢቶ፣ጽሑፋት ናብዚ- @Bazen29 (👉 @Tigrigna_lit_adminBot) ለኣኹልና።

Ratings & Reviews

1.50

2 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

0

4 stars

0

3 stars

0

2 stars

1

1 stars

1


የቅርብ ጊዜ መልዕክቶች

2022-08-02 00:33:07
ሓደ ሓደ ግዜ ብንእስነት ጀሚሩ ንመዋእል ዝቅጽል ፍቅሪ. .

ምስጢር ፍቅሪ

Join us @tigrigna_literature
194 views21:33
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-01 18:58:22
ኣብ 2021 ዋንጫ ኣውሮፓ ፓርቹጋል ምስ ሰርቢያ እንትጋጠሙ ፖርቹጋላዊ #ክርስቲያኖ_ሮናልዶ ኣብ ልዕሊ ሰርቢያ ዘቁጸራ ሽቶ ካብ መስመር ሓሊፋ እኳ እንተነበረት በቲ ዕለት ዳኛ ከይጸደቀት ዝተረፈትሉ ኣጋጣሚ ሮናልዶ ከመይ ከምዝተናደደ እቲ ግጥም ዝረኣኩም ትዝክሩ ትኾኑ ኢኹም።
እታ ናይ ሃምበልነት መለለዩ ጨርቂ (Captain badge) ካብ ኢዱ ኣውጺኡ ክሳብ ምድርባይ እዩ ተቆጢዑ ነይሩ። ድሕሪኡ እቲ ዝተደርበየት መለለዩ ጨርቂ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቐ ሰብ ኣተወት። ነታ ጨርቂ ናብ ጨረታ ቀሪባ ብ75 ሽሕ ዶላር ተሸጠት።
እቲ ገንዘብ ድማ ንሓንቲ ዝሓመመት ህጻን መሐከሚ ክውዕል ተገበረ። እታ ህጻን መጥባሕታዊ ሕክምና ተዘይትረክብ ኔራ ሂወታ ክሓልፍ ከምዝነበረ ድማ ተነጊሩ እዩ።
ኩሉጊዜ ዓቕምና ክሳብ ዝፈቕድ ንግበር ድሕሪኡ ግን ብዘይምፍላጥና ንገብሮምን ስዕረትናን ንካልኦት ጽቡቕ ዜና ዓወት ክኸውን ይኽእል እዩ።
Via: Book menu

ጩራ ወጋሕታ
Join us @tigrigna_literature
216 views15:58
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-01 16:28:21 ዘፍቕረኪ......

እቲ ናይ ብሓቂ ዘፍቅረኪ ወይ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ቅርበት ዘለዎ ምሳኺ እቲ ዝሓቑፈኪ፡ዝስዕመኪ፡ነዊሕ ዘዕልለኪ፡ቀጻሊ ሻሂ ዘስትየኪ፡ትደልዮ ዝገብረልኪ፡ጽባቐኺ ዘድንቕ፡መዓልታዊ መብጽዕኡ ዘሕድሰልኪ ወዘተ ኣይኮነን...

ናይ ብሓቂ ዘፍቅረኪ ወይ ጽቡቕ ቅርበት ዘለዎ ምሳኺ እቲ ክትፈርሒ ከለኺ ዘተባባዓኪ፡ሕልምኺ ንኽሰምር መሳልል ዝኾነኪ፡መንፈሳውነትኪ፡ልቦናኺ፡ፍልጠትኪ፡ርእሰ ምትእምማንኪ ንኽዓቢ ንኽትጽልዩ፡ብሓባር ንኸተንብቡ፡ጽሙዋ ንኽትመርጹ፡ጽቡቕ ምኽሪ ንኽትሰምዑ ዘተበባዓኪ ኢዩ፡፡

ካልእ ዘፍቅረኪ እቲ ኣብ ዝኾነ ዝከላኸለልክን ዝማጎተልክን ኣይኮነን፡፡ዘፍቅረኪ ወላ ጌጋ እናገበርኪ ዝከላኸለልክን ዝማጎተልክን ተኾይኑ እዚ ፍቕሪ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ሓቀኛ ኣፍቃሪኺ ንጌጋኽን ንሕማቕ ኣካይዳኽን ዝእርምን፡ዝግስጽን ምስ ዝኸውን'ዩ፡፡

*ዉሽጣዊ ንጽህንኡ እምበር ምሕቋፉ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ኣኽብሮቱን ምክንኻኑን እምበር ምስዓሙ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ሓቂ ዝመልኦ ቃላትን ሓሳብን ዝዛረበክን ዝህበክን እምበር...ክቡር ህያብ ገዚኡ ምሃቡ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ቀጻሊ ጽቡቕ ነገር ንምስራሕን ንምትግባርን ከምኡ ድማ ንዕብየትን ዝሕግዘኪ እምበር ቀጻሊ ሻሂ ምስታዩ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ...

*ብኣኽብሮቱ፡ብሓልዮቱ፡ብእሙኑነቱ ወትሩ ከጸብቐኪ ዝጽዕር እምበር ደጋዊ ጽባቐኺ ምድናቕን ምንኣድን መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*ቃላቱ ክንደይ ዕምቆት ዘለዎ ልቦናን ብስለትን ሓዚሉ ንልብኺ ዝሰልብ ምስ ዝኸውን እምበር ነዊሕ ብምዕላሉ መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

*በተግባሩ መዓልታዊ መንነቱ ከርእየኪ ዝውዕል እምበር መዓልታዊ ማሕላ ምምሓሉን መብጽዓ ምእታውን መግለጺ ፍቕሩ ክኸውን ኣይክእልን...

እቲ ምንታይ ፍቕሪ ኣብ ምኽንያት፡ልቦና፡መንፈሳውነት ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡ፍቕሪ ዝመስል ወይ ኣብ ፍቕሪ ዘመኽኒ ግና ከኣ ኣዝዩ ሃስዩ ብዙሕ ስለዘሎ፡፡

ሓቀኛ ፍቕሪ ንጽህና ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ፍቕርን ረብሓን ኣዝዩ ዓቢ ፍልልይ ስለዘሎ ፡፡ፍቕሪ ኩሉ ግዜ ክህብ ኢዩ ዝደሊ ረብሓ ግና ኩሉ ግዜ ክወስድ ኢዩ ዝደሊ፡፡

ረብሓ ኩሉ ግዜ ብንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ባህሪ ዝተኸበ፡ንዓኻ ኣብ ኩርኳሕ ኣደቂሱ ንሱ ኣብ ልዕሌኻ ክድቅስ ቅሩብ ሕፍረት ናይ ዘይብሉ ሰብ'ዩ፡፡ሓቀኛ ፍቕሪ ግና እንተሓመቐ እኳ ብእሙኑነትን ግሉጹነትን ዝቐርበካ'ዩ፡፡እንተሓመቐ ክሕግዘካ እኳ ተዘይቀረበካ ክጥቀመልካ ግና ዘይቐርበካ'ዩ፡፡

ስለዚ ፍቕርኻ ይኹን ቅርርብካ ኣብ ምንታይ ዝተሞርኮሰ ኢዩ ዉሽጥኻን ሕልናኻን ምፍታሽ ከምኡ ድማ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝወሰድካ ከምኡ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣበይ ኢዩ ከብጽሓካ ምፍላጥ ወሳኒ ኢዩ፡፡

ሓደ የፍቅረኒ ኢዩ ትብልዮ እንተድኣ ንጽቡቕ ሽምኪ ዘበላሹ፡ንኽብሪ ንጽህናኺ ዝደፍር፡ናብ ሕማቕ ልምድታት ከም መስተ ሺሻ ናይት ክለብን ካልእን ንዕናይ ዝብለኪ፡ሃብኒ እምበር እንኪ ዘየብለኪ፡ቪድዮ ወሊዑ ጥራሕ ነብስኺ ክርእየኪ ዘይሓፍረኪ ወዘተ ተኾይኑ እዚ የፍቅረኪ ድዩ ወይስ የዕንወኪ ኢዩ ዘሎ፡፡

ዘፍቅረኪ ወዲ እንተድኣ ተስተውዕሊ ኮይንኪ ንምንታይ ኢዩ ዘተባባዓኪ ርኣዮ ንጽቡቕ'ዶ ወይስ ንሕማቕ፡፡ቅድሚ ኩሉ ብዛዕባ ፍርሃት እግዚኣቢሔር እንታይ ዓይነት ሓሳብን ኣረኣእያን ኣለዎ ምዘኒ፡፡ካልእ እንታይ ዓይነት ዘረባ እናተዛረበ ኢዩ ኣተሓሳስባኺ ዝሃንጽ ወይ ዘፍርስ ዘሎ ኣስተውዕሊ፡፡

ምስ ከም ምንባብ፡ጸሎት፡ቅንዕና፡እሙኑነት፡ኣኽብሮት፡ኣተሓሳስባ፡ተግባር፡ኣካይዳ እንታይ ዓይነት ቅርበት ኣለዎ ምዘኒ ወይ ብዛዕብኦም እንታይ ይሓስብ ተዓዘብን ርኣይን፡፡

"ሰባት ንኽልተ ነገር ኢዮም ዝቐርቡዃ ወይ ከዕንውኻ ወይ ክሃንጹዃ"

ብ"ፊሊ ወናኒ ሙቁር ቃንዛ'

Join us @Tigrigna_literature
223 viewsedited  13:28
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-08-01 12:22:59
ንፍሽክታ.....
ሓደ መምህር ንተምሃሮኡ ሕቶ ከምዚ ክብል ሓተቶም
መምህር፡ እስኪ መን እዩ ዝምልሰለይ፦ ዝተቐረፈ ኣራንሺ ናብ ማይ ይሰምጥ(ይጥሕል) ምስ ቕርፍቱ ዘሎ ኣራንሺ ግን ኣብ ማይ ይንሳፈፍ ንምንታይ

ኩሎም ተምሃሮ ጸጥ በሉ። ኣብ መንጎኡ ሓደ ሰነፍን ረባሽን ዝነበረ ተምሃራይ ኢዱ የውጽእ። እቲ መምህር እናተገረመ 'እንታይ ኮን ክምልስ ይኸውን " እናበለ "እስኪ ቀጽል ኣረድኣኒ" በሎ።

ተምሃራይ፦ "እዚኣ ደኣ ቀላል ሕቶ እንድያ። ንኣብነት ንስካ ምስ ሓደ ዓርኽካ እንዳሓምበስካ ሃንደበት እቲ ዓርኽካ ፓንትካ(ስረ-ውሽጢ) እንተዘምልቖልካ እንታይ ትገብር? ናብቲ ማይ ኣቲካ ሰባት ከይሪኡካ ትሕባእ። እቲ ኣራንሺ እውን ከምኡ እዩ።" ብምባል ይምልስ።

እቲ መምህር ኢዱ ኣብ ምዕጉርቲ እቲ ተምሃራይ .. ጨብ.. .ጨብ.. ኣቢሉ ኮፍ ይብል


እስኪ ትክክለኛ ምኽንያት እዩ ትብልዎ ኣብ ኮመንት ጸሓፉ

Join us @tigrigna_literature
294 viewsedited  09:22
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-07-31 15:47:48 ይነበብ
~~
ሓደ እዋን ኣብ ዚምባብዌ ጉጅለ ሰረቕቲ ገጾም ብማስኬራ(Mask ) ተሸፊኖም ባንኪ ክሰርቑ እንትኣትዉ መራሒ እቶም ጎሓሉ ነቶም ሰራሕተኛታት "ሓደ ሰብ ከይንቐሳቐስ እዚ ገንዘብ ናይ ሃገር እዩ ነብስኩም ግን ናይ ውልቐኩም እያ" ብምባል የጠንቕቖም። ኣብቲ ባንኪ ዝነበረ ኩሉ ሰራሕተኛ ናብ መሬት ተደፍኡ።
እዚ "Mind Changing Concept" ይበሃል። ናይ ሰባት ኣእምሮ ዝሓስብሉ መንገዲ ክልወጥ ምግባር።

ኣብ ሞንጎኡ ሓንቲ ጎርዞ ብፍርሒ ፍሒትሒት ክትብል ዝረኣያ ሓደ ሰራቒ "በጃኪ ከም ዝተምሃረ ሰብ ሕሰቢ።ክንሰርቕ እምበር ጓል ክንዕምጽ ኣይመጻናን" ብምባል ብዓውታ ይነግራ።
እዚ ድማ "Being Professional" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዝሰልጠንካሉ ዛዕባ ጥራሕ ክፍጸም ምግባር።ካብዚ ወጻኢ ትኩረትካ ናብ ካልእ ምስ ዝሰሓብ ዕላማካ ምስሓት እዩ።

እቶም ሰረቕቲ ገንዘቦም ሒዞም ናብ ገዝኦም ምስተመለሱ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰን ማስትሬት ድግሪ ዘለዎን ሰራቒ ነቲ ብዕድመ ዝዓበየ ግን ከኣ ብትምህርቲ 6ይ ክፍሊ ዝበጽሐ መራሒኦም
"ክቡር መራሒና እቲ ዝሰረቕናዮ ገንዘብ ክንደይ ምኻኑ ንቁጸሮ" በሎ
እቲ ዓብዪ ሌባ "ዓሻ ዲኻ ። ብዙሕ ገንዘብ እኮ ኢና ሰሪቕና ክንደይ ኢልና ክንቆጽር። ነዚ ክንቆጽር መዓልቲታት እውን ኣይኣክለናን። ምሸት ኣብ ቴሌቭዥን ክንድዚ ገንዘብ ተሰሪቑ ተባሂሉ ብዜና ኣይክግለጽ እንዶ?" በሎ።
እዚ ከኣ "Experience" ንብሎ እዩ። ሎሚ ሎሚ ካብ ናይ ወረቐት ትምህርታዊ መረዳእታ ንላዕሊ ልምዲ ስራሕ ልዑል ቦታ ዝወሃበሉ ኣጋጣሚታት ኣለዉ።

እቶም ሰረቕቲ ካብቲ ባንኪ ምስወጹ ናይቲ ባንኪ ማናጀር ንሱፐርቫይዘሩ "ናብ ዝምልኸቶ ስልኺ ደዊልኻ ስርቒ ከምዝተፈጸመ ብቕልጡፍ ኣፍልጥ" ክብል ኣዘዞ። እቲ ሱፐርቫይዘር ድማ "ጽናሕ እስኪ ካብቲ ካዝና 10 ሚልዮን ንባዕልና ወሲድና ድሕሪኡ ምስቲ ዝወሰድዎ 70 ሚልየን ቅርሺ ሓዊስና ሪፖርት እንተገበርና ይሓይሽ" በሎ።
እዚ ጥበብ "Swim with the Tide" ይበሃል። ኣጸገምቲ ኣጋጣሚታት ናብ ባዕልካ ጥቕሚ ክውዕሉ ምግባር።
እቲ ሱፐርቫይዘር በቲ ኣጋጣሚ ዝረኸቦ ሃብቲ ሪኡ "እንታይ ኔሩዎ እዚ ስርቒ በቢወርሑ እንተዝኸውን" በለ።
እዚ "Killing Bordem" ይበሃል።ሃንደበታዊ ብዝኾኑ ተጓንፎታት ልዕሊ ዓቕምኻ ዝኮኑ ነገራት እንትኽሰቱ ልዕሊ ሙያካን ስራሕኻን ንውልቓዊ ሓጎስ ቀዳምነት ምሃብ'ዩ።

ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ኣብ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ካብቲ ባንኪ 100 ሚሊዮን ቅርሺ ከምዝተሰረቐ ተጋውሐ። እቶም ሰረቕቲ ግን ተጠራጢሮም ነቲ ገንዘብ እንትቆጽሩዎ 20 ሚልዮን ጥራሕ ኮነ።ምሒር ተቆጥዑ። "ንሕና ሂወትና ኣብ ሓደጋ ኣእቲና ዝሰረቕናዮ 20 ሚልዮን ጥራሕ እዩ።እቲ ማናጀር ግን ብናትና ስም ብናጽነት 80 ሚልዮን ወሲዱ። ሰራቒ ካብ ምኻን ተማሂርካ ማናጀር ምኻን ምሓሸና ኔሩ።" በሉ።
እዚ ድማ "Knowledge is Worth as much as Gold" ፍልጠት ከም ወርቒ ክቡር ምኻኑ ዝነግረና ነጥቢ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ካብቶም ጉጅለ ሰረቕቲ ንላዕሊ እቲ ማናጀርን ሱፐርቫይዘርን ሕጉሳትን ዕዉታትን መሲሉ ተሰምዖም።
ካብ Social media ዝተረኸበት

ትርጉም ብ ጩራ ወጋሕታ
(Join us on telegram
@Tigrigna_literature
425 views12:47
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-07-31 15:47:07
252 views12:47
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-07-30 17:36:13
#Ricky_Jackson ይበሃል። ናይ #ክለቨላንድ_ኦሂዮ ነባራይ እዩ።ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብዘይ ወዓሎ ገበን ድሕሪ ምእሳሩ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድሉ ይኹን እምበር እቲ ፍርዲ ብርእሰ-ብሄር እታ ሃገር ስለዘይተፈረመ ናብ ዕድመ ልኽዕ ማእሰርቲ ተቐይሩ ን39 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጸኒሑ እዩ።ድሕሪ ቡዙሕ ዓመታት እቲ ትኽክለኛ ፈጻሚ ገበን ብምርካቡ Jackson ብዝሕ ዝበለ ካሕሳ ተከፊልዎ ይወጽእ።ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ምስወጸ ነቲ ዘእሰሮ ሰብ ብምርካብ ሓቒፉ "ይቕሬታ ገይረልካ" ኣለኹ በሎ።
ቃለ-መሕትት ንዝገበርሉ ጋዜጤኛታት ድማ ከምዚ ክብል ተዛረበ። "ኣብ ውሽጢ እስር-ቤት ስለዝኾንካ እሱር ኢካ ማለት ኣይኮነን።"
ናጽነት ዘሎ ኣብቲ ዘለኩምሉ ቦታ ዘይኮነ ኣእምሮኩም ውሽጢ እዩ። ናይ ቅርሕንትን ጽልእን እሱር ከይትኾኑ ሓዳጋት ኩኑ።ይቕሬታ ግበሩ፣ምኻድ ኣይተቋርጹ፣ኣብቲ ዝተጎዳእክምሉ ኣይትጽንሑ።ሂወት ሰፋሕ፣ብዙሕ ኣንፈታት ዘለዋ ናይ ጉዕዞ ሃዲድ እያ።
Via: Book Menu

Join us on telegram
@tigrigna_literature
329 views14:36
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-07-28 17:16:57 ቐታሊ ቶማስ ሳንካራ ናይ ሞት ፍርዲ......


ንምኻኑ ቶማስ ሳንካራ መን እዩ??
ቶማስ ሳንካራ ሕዳር 1949 ዓ/ም ኣብ ያኮ ናይ ሽዑ ኣፐር_ቮልታ ተወሊዱ።
ሳንካራ ኣብታ ርግኣትን ሰላምን ዝረሓቓ ድሕሪ ምልቓቕ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ
ፈረንሳ 17 ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገበረላ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር
ብምፍጣሩ ናብ ወታሃደራዊ ዕስክርና ክኣቱ ግዜ ኣይወሰደሉን ኣብ 19 ዓመቱ
ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኮይኑ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ 1970 ንተወሳኺ
ስልጠና ናብ ማዳጋስካር ብምኻድ ተወሳኺ ስልጥና ወሰደ።
ቶማስ ሳንካራ ኣብ ማዳጋስካር ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን ካብ ዓለሚኡ ብዛዕባ
ገድልታት ናይ ቼኮቬራ ይሰምዕ ብምንባሩ ብተግባራት ቅዱስ ቅንኢ ከም ዝሓደሮ
ይንገር። ቶማስ ሳንካራ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ 1974 ምስ ጎረቤት ሃገር
ማሊ ብምስምስ ዶብ ኣብ ዝተወለዐ ኵናት ቡሉጽ ብቕዓት ኣርእዩ ናብ
ወታሃደራዊ መሪሕነት ብምድያብ ናይ ኮማንደርነት መዓርግ ረኸበ።
ኣብ 1981 ቶማስ ሳንካራ ካብ ወታሃደራዊ መሪሕነት ወጺኡ ሚኒስተር
ኢንፎርሜሽን ኮይኑ ዝተሸመሉ እዋን ኔሩ ነዚ ስዒቡ ድማ ነቲ ኣብ ወርሒ
መስከረም ዝተገበረ ፈላማይ ኣኼባ ሚኒስተራት ንዝተመደበትሉ መርቸድስ መኪና ገዲፉ ብሳይክል ብምምጻኡ ንብዙሓት ዘገረመ ተግባሩ ኔሩ። ቶማስ ሳንካራ ብድሕሪዚ ብስርዓትን ኣካይዳን ምስቲ ዝበረ መንግስቲ ብዘይ ምስስምዑ
ተቓዉሞ ጀሚሩ ከምሳዕቤኑ ድማ ቶማስ ሳንካራ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ተጌሩ
:ግን ብዙሕ ከይጸንሐ ብብለስ_ኮምፖዉሬ ብዝምራሕ ዕልዋ መንግስቲ ተሓጊዙ ካብ እስርቤት ወጽዩ ናብ መሪሕነት ደየበ ኣብ 33 ዓመቱ ብ 1983 ዓ/ም ድማ ሳንካራ ፕረዚደንት ሃገሩ ኮነ።
ቶማስ ሳንካራ ፈለማ ናብ መሪሕነት ድሕሪ ምምጽኡ ሽም ሃገሩ ካብ ኣፐር_ቫልፖ ናብ ብርኪና_ፋሶ ብምቕያር ሓደ ኢሉ ብምጂማር ኣብ 4ተ ዓመት
ግዜ መሪሕነቱ ሃገሩ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ርደኤተን ሓገዝን ወጻኢ ናጻ ብምግባር ርእሳ ክትክእል ኣኽኢልዋ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ሳንካራ ን ዘይተኣደነ ወጻእታትን ደሞዝን ሚነስተራት ብምቕናስ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ክቡራት መኻይን ሸይጡ ብዘገልገላ መኻይን ተኪእወን እዩ። ቶማስ ሳንካራ ዘይከምቶም ብኣፎም ዝብዝሑ
መራሕቲ ናይ ኣፋ ጥራይ ዘይኮነ ኣቦ ምሕረትን ይቕሬታን እዉን እዩ ኔሩ ሓደ ሰብ ጥፍኣቱ ብዝግባእ እንተ ኣሚኑ ምሕረት ክግበረሉ ይግባእ ዝብል ቅዋም ኔርዎ
ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ዘመነ መሪሕነቱ ገበነኛታት ካብ ዝእሰሩ ንሕበረተሰብ
ብናጻ ከገልግሉ ይገብር ኔሩ።
15 ጥቅምቲ 1987 ቶማስ ሳንካራ ከም ወትሩ ብዛዕባ ቀጻሊ ምዕባለ ሃገሩ ምስ
ምክትሉ ብለስ_ኮምፓወሬ እናዘተየ ድንገት ድምጺ ጠያይቲ ተሰምዐ ብኡ ንቡኡ ድማ 13 ዓጀብቲ ፕረዝደንት ሂወቶም ሓለፈ በቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝተገረመን ሓወይ ኢሉ ብዝኣምኖ ምክትሉን ዕልዋ ይካየደሉ ከም ዘሎ ዝተረደኣ ዝጀሞሮ ከይፈጸመ
ድማ በቲ ዓርኩ ትክ ትንፋስ ን ከባቢ 27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝበለ ውልቀ
መላኪ ብለስ ኮምፓወሬ ተቀተለ ሳንካራ ቅድሚ ትንፋሱ ቅድሚ ምሕላፉ
ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ተዛሪቡ ሓለፈ
" ተቓላሳይ ክመውት ይኽእል ዩ፥ ቃልሲ ግን ቀጻሊ እዩ።"
ሳንካራ ብቃልሲ ተፈቲኑ ዝተዓወተን ንጻላእቱ ሓያል ዳህላን ውርደትን ዘስዓበ
መራሒ እዩ።
ሳንካራ ሃገሩ ካብ ኩሉ ዓይነት ግዳማዊ ተጽዕኖ ሓራ ኮይና ክትነብርን ብልዑል
ህዝባዊ ተሳትፎን ብ ኣፍሪቃዊ ቅኒት ዝተኸለሰ ማርክስ ሌኒናዊ ክልሰ ሓሳብ
ብተግባር ፈጺማ ክትምዕብልን ህዝባ ድማ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ውሕስንኡ
ከረጋግጽን ዕዙዝን ሙሉእ መስዋእቱን ዝኸፈለ ተቓላሳይ ነይሩ።
ኣብ ቕትለት ቶማስ ሳንካረ ናይ ብርክት ዝበሉ ሃገራትን ግለ ሰባትን ኢድ ከም
ዘለዎኳ እንተተገለጸ እጃም መተዓቢይቱ ናይ ሽዑ ምክትል ደሓር ድማ ፕረዚደንት
ዝኾኑ ብለስ_ኮምፖወሬ ግን ሙሉእ ብ ሙልእ ከም ዝነበረ እዩ ዝንገር።
ቶማስ ሳንካራ ኣስከሬኑ ስርዓተ ቀብሪ ተፈጽሙሉ ዋላኳ ብኽብሪ ኣይዕረፍ
መቓብሩ ግን ኣብ ልቢ ዜጋታት ሃገሩን ብገድሉ ዝተማረኹ መላእ ህዝብታት
ዓለምን ህያዉ ኮይኑ ይነብር ኣሎ ።
ቀታሊኡ ቢሌስ ኮምፓውሬ ምኻኑ ተኣሚኑሉ ኣብዚ ቅነ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድሉ ኣሎ።

#share
ንሪኢቶ @Tigrigna_lit_Adminbot

join us @Tigrigna_literature
705 views14:16
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-07-28 17:16:20
411 views14:16
ክፈት / አስተያየት ይስጡ
2022-07-28 14:33:42 ሰላም ኣባላት እዛ ቻነል ።

ቻነል ብርዒ ትግርኛ ከመይ ትርእይዋ?
ዝፈተኩምዋ
ኣይፈተኩዋን
ኩሉኩም ኣብ Comment ተሳተፉ።

ናብ ግሩፕን የዕርክትኩምን #Share ግበሩ።
#ሰላም

ንሪኢቶ @tigrigna_lit_adminbot

Join us @tigrigna_literature
372 viewsedited  11:33
ክፈት / አስተያየት ይስጡ