Get Mystery Box with random crypto!

ኣላማጣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ሐዚ እዉን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ግፍዒ ምፍፃሙ ቐፂሉ ኣሎ። ሐዚ ኣ | Getachew K reda - ጌታቸዉ ረዳ

ኣላማጣ

ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ሐዚ እዉን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ግፍዒ ምፍፃሙ ቐፂሉ ኣሎ።

ሐዚ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ 3 ቦጦሎኒ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ብተወሳኺ በቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝተወደበ ሓው ጃኖ ዝተብሃለ ብርጌድ ሚሊሻ እውን ይርከብ።

እዞም ሓይልታት ዚኦም ኣብ ከተማ ኣላማጣ ከቢድን ተደጋጋምን ቶኽሲ ብምኽፋት ህዝቢ የርዕዱ፣ካብ ምሽት ሰዓት ሓደ ንደሓር ክንቀሳቐስ ኣብ ልዕሊ ዝረኸብዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ስርቂ፣ወራርን   መውቃዕትን ይፍፅሙ ኣለው።

እዞም ዕጡቓት ገዛ ገዛ ካብዝፍፅምዎ ጉሕለትን ማሕሰይቲ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ብምትኳስ ራዕዲ ይፈጥሩ።

ነቲ ሐዚ ዝተጀመረ ወፍሪ ዕጥቂ ምፍታሕ ስዒቡ ዕጥቆም ካብ 20 ክሳብ 35 ሺህ ብር እናሸጡ ዝጠፍኡ እውን ብዙሓት እዮም።

ኣብ ልዕሊ ናብ ከተማ መቐለ ዝጓዓዛ  ተሽከርከርቲ ዝግበር ዘይሕጋዊ ቀረፅን ስርቅን እዉን ቀፂሉ ኣሎ።



አላማጣ

የአማራ ልዩ ሃይል በአላማጣ ከተማ ግፍ እየፈጸመ ነው።

ከአማራ ልዩ ሃይል 3ኛ ሻለቃ በተጨማሪ ሃው ጃኖ የሚባል የሚሊሺያ ብርጌድ በጊዜያዊ አስተዳደሩ የተደራጀ አለ።

እነዚህ ሃይሎች በአላማጣ ከተማ ከባድ እና ተደጋጋሚ ተኩስ በመክፈት ህዝቡን እያሸበሩ፣ስርቆት እየፈፀሙ፣ ወረራ እየፈፀሙ ያገኙትን ሰው ከምሽቱ 1 ሰአት በኋላ እየደበደቡ ነው።

እነዚህ ታጣቂዎች ከቤት ወደ ቤት ከሚፈፀሙ ዝርፊያና ጉዳቶች በተጨማሪ ሽብር ለመፍጠር በመኖሪያ አካባቢዎች ላይ ተኩሶ መተኮስም ታውቋል።

ትጥቅ የማስፈታት ዘመቻውን ተከትሎ በርካቶች መሳሪያቸውን ከ20,000 እስከ 35,000 ብር እየሸጡ ጠፍተዋል።

ወደ መቀሌ ከተማ የሚጓዙ ተሽከርካሪዎች ህገወጥ ታክስና ስርቆት እንደቀጠለ ነው።